Detecting...
Please whitelist dirzon to continue.
ኣድላይነትን ግደን ውዳቤ ወ ህዝባዊ ግንባር ዝገጠሞ ሰለስተ ቀንዲ ብድሆታት ምርኣይ ንዘተና ኣድላዩ እዩ። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቓልሲ እቲ ጸላኢ ገዚፍን ዝድህሰስን መግዛእቲ እቲ ናይ ቀረባ ዕላማ ኸኣ ምብራር መግዛእትን ምርግጋጽ ናጽነትን እዩ። ከምቲ ናጽነት ንምምጻእ ምስቲ ዕላማ ዝሰማማዕ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ንኹሎም ሓቀኛታት ሃገራውያን ክሓቁፍን ከሳትፍን ዝክእል ኣድማዒ ፖለቲካዊ ውዳቤን ከድሊዩ። ህግደፍ እንታይ ዓይነት ውድብ። ከም ኣብ ዝሓለፈ ምዕራፋት ዝዘተናዮ ኣብ ታሪክ ደቂ ሰብ ክሳብ ሕጂ ሃገራዊ መንግስቲ ኣብ ናይ ውሑዳን ጉጅለታት ሕብረተሰብ ጸቢብን ጽግዕተኛን ረብሓታት ክምስረት ከም ዘይክእል ተመክሮ ብዙሓት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ናይ ውሑዳት ሃብታማትን ሰበስልጣንን ጸቢብ ረብሓታት ጽግዕተኛ ኣብ ባዕዳዊ ረብሓታት ስለዝኮነ ብስሩ ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓዩ። ምኽክንያቱ ኣብ መስርሕ ምዕባሌ ኣብ በበይኑ መድረካት ብበበይኑ መልክዓት እዩ ዝግሃድ።
ኣድላይነትን ግደን ውዳቤ ስሩዕ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ካልኣይ መጽሓፍ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ለካቲት ኣሕተምቲ ሕድሪ ጐደና ተጋደልቲ ቀገዛ ቀሷል ቴሌ ፋክስ ኣስመራ ኤርትራ ኣድላይነትን ግደን ውዳቤ ወ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ከ ኣብ ኤርትራ ብኣገልግሎት ማሕተም ሳቡር እተሓትመ ታሪክ ኣመዓባብላ ፖለቲካዊ ውዳቤ ሕብረተሰባት ናይ ሃደንትን ማእረርትን ፍልመዴሳዊ ሕብረተሰብ ናይ ሕርሻን ጉስነትን ሕብረተሰብ ኣብ ጊላነት ዝተመስረተ ጥንታዊ ስልጣኔታትን መንግስታትን መስፍናዊ ስርዓታት ዘበናዊ ኢንዱስትሪያዊ ሕብረተሰብ ርእሰማልነት ማሕበርነት ካልእ በበይኑ መልክዓት ፖለቲካዊ ውዳቤ ታሪክ ፖለቲካዊ ውዳቤ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ውዳቤ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ቀዳማይ መድረኽ ምጅማር ሃገራዊ ፖለቲካ ካልኣይ መድረኽ ምድንፋዕ ሃገራዊ ቃልሲ ሳልሳይ መድረኽ ምጅማር ብረታዊ ቃልስን ፖለቲካዊ ጉድለታቱን ራብዓይ መድረኽ ምእራምን ምምዕባል ሰውራዊ ውድብን ሓሙሻይ መድረኽ ምድልዳል መሪሕ ውድብን ታሪካዊ ዓወቱን ህዝባዊ ግንባር ከም ሰፊሕ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ናጻ ኤርትራ ተመክሮ መሰጋገሪ እዋን ዳግመምውዳብ ህዝባዊ ግንባር ህግደፍ እንታይ ዓይነት ውድብ። ምህናጽ ድልዱል ሃገራዊ መንግስቲ ቀዳማይ እዋን ግዝያዊ መንግስቲ ካልኣይ መሰጋገሪ እዋን ሳልሳይ እዋን ምክልኻል ሃገር ብድሆታት ምህናጽ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ መአተዊ ሕጂ ናይ ስሩዕ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ካልኣይ ኣርእስትና ኣድላይነትን ግደን ውዳቤ ንጅምር ኣሎና። ነዚ ከም ሓፈሻዊ መእተዊ ብምውሳድ ከኣ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስትና ናብ ታሪኽና ብምምጻእ ኣመዓባብላ ፖለቲካዊ ውዳቤ ኣብ ኤርትራ ኣብ ናይ ቅድመመግዛእቲ መግዛእቲ ናይ ሃገራዊ ቃልስን ድሕሪ ናጽነትን መድረካት ብዝያዳ ዝርዝር ክንዝቲ ኢና። ስለዚ ንታሪክ ኣመዓባብላ ፖለቲካዊ ውዳቤ ሕብረተሰባት ኣብዚ ዝስዕብ መድረካት ኣእቲና ክንዝትየሉ ኢና ናይ ሃደንትን ማእረርትን ፍልመዴሳዊ ሕብረተሰብ ናይ ሕርሻን ጉስነትን ሕብረተሰብ ኣብ ጊላነት ዝተመስረተ ጥንታዊ ስልጣኔታትን መንግስታትን መስፍናዊ ስርዓታት ዘበናዊ ኢንዱስትሪያዊ ሕብረተሰብ ርእሰማልነትን ማሕበርነትን ካልእን ናይ ሃደንትን ማእረርትን ፍልመዴሳዊ ሕብረተሰብ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ምዕራፍ ዝረኣናዮ ናይ ሃደንትን ማእረርትን ፍልማዊ ሕብረተሰብ እቲ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ዝነውሐ መዋእል ኣብ ታሪክ ደቅሰብዩ። ብሓጺሩ እዚ መድረኽክዚ ስልጣን ዘዘውትር ስርዓት ብምትካል ጥራይ ዝመሓደር ናይ ረብሓታት ምክፍፋልን ግጭትን ዘይነበሮ ኣብ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ መነባብሮ ዝተመስረተ ናይ ስእነት ማዕርነት ዝነበሮ ሕብረተሰብ ስለዝነበረ ስልጣንን ፖለቲካዊ ውዳቤን ዘይማዕበለሉ ፍልማዊ መድረኽ ኢና ንረክብ። በበይኑ መልክዓት ፖለቲካዊ ውዳቤ ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ገጻት ዝተገልጸ ታሪክ ኣመዓባብላ ፖለቲካዊ ውዳቤ ሕብረተሰባት ከም ድሕረባይታ ብምውሳድ ቀጺልና ብዛዕባቲ ቀንዲ መልክዓት ፖለቲካዊ ውዳቤ ማለት መንግስቲ ኣመሓዳድራ ሰልፍን ግንባርን ክንዝቲ ኢና። ስለዚ ነዚ ከም ድሕረ ባይታን መእተውን ብምውሳድ ኣብ ዝቕጽል ምዕራፋት ብዛዕባ ታሪክ ፖለቲካዊ ውዳቤ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ውዳቤ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ተራ ህዝባዊ ግንባር ኣድላይነት ምህናጽ ድልዱል ዘበናዊ መንግስቲ ክንዝቲ ኢና። ስለዚ ነዚ ከም ቀዳማይ መድረክ ፖለቲካዊ ውዳቤ ኣብ ኤርትራ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። እቲ ካልኣይ መድረኽ እቲ ድሕሪ ውድቀት ጥንታዊ መንግስታት ክሳብ ምምጻእ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝቐጸለ እዋን ዝነበረ ፖለቲካዊ ውዳቤታትዩ። ብዛዕባዚ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ኣብ ሃገራዊ ቻርተርና እዚ ዝስዕብ ጹማቕ ገምጋም ቀሪቡ ኣሎሩ ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ዝጸንሐ መግዛእቲ ኢጣልያ ንኤርትራዊ ሕብረተሰብ ብሱሩን ንኹሉ ክፋላቱን ብማዕረን ኣይቐይሮምበር ኣብ ታሪክ ኤርትራ ነባሪ ለውጢ ከም ዘምጸአ ዝካሓድ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ውዳቤ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ብተበግሶኦም ንረብሓታቶምን ዕላማታቶምን ንከገልግል ዝመሰረትዎ ፋልማይ ዘበናዊ ፖለቲካዊ ውዳቤታት ኣብ እዋን መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ታት እዩ ተከሲቱ። በዚ ረጃሒታትዚ መሰረት እምበኣር ቀዳማይ ሃገራዊ ጸረመግዛእታዊ ቃልሲ ዝጀመረሉን ፋልማይ ስጉምትታት ዝወሰደሉን ቀዳሞት ፖለቲካዊ ውድባት ዝተከሰታሉን መድረኽ ኣርብዓታት ካልኣይ ድሕሪ እቲ ዘይፍትሓዊ ውሳኔ ፈደረሽን ምቹም መንግስቲ ኤርትራን ምዝያድ ምትእትታው ኢትዮጵያን ምምስራት ሓድሽን ዝማዕበለን ናይ ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን ምንቅስቓሳትን ምብጋስ ሓራካን ምስጢራዊ ቃልስን ዝተራእየሉ መድረክ ሓሙሳታት ሳልሳይ ሰላማዊ ቃልስታት ብሓይሊ ምስ ተጨፍለቐ ሃገራዊ ቃልስና ብምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ መድረኽ ዝተሰጋገረሉን ብሰንኪ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጉድለታት ተሓኤ ግን ሓደገኛ ቅልውላው ዝተፈጥረሉን ናይ ምእራም ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ዝተበገሰሉን ቀዳማይ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ዝኮነ መድረክ ሱሳታት ራብዓይ ንብረታዊ ቃልሲ ብምእራም ቅኑዕ ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ መስመር ዝክተል ሰውራዊ ውድብ ንምህናጽ ዕውት ተበግሶ ዝተወስደሉን ነዚ ተበግሶዚ ብኩናት ሓድሕድ ንምዕጋት ዝተፈተነሉን ብረታዊ ቃልስና ናብ መላእ ኤርትራ ዘስፋሕፍሓሉን ዝደንፍዓ ሉን ህዝባዊ ግንባር ከም መሪሕ ውድብ ተራኡ ዘረጋገጸሉን ካልኣይ መድረክ ብረታዊ ቃልሲ ዝኮነ መድረኽ ሰብዓታት በ ሓሙሻይ ህዝባዊ ግንባር ሓላፍነት ምቕጻልን ምዕዋትን ብረታዊ ቃልሲ ንበይኑ ተሰኪሙ ወራራት ጸላኢ ስዒሩ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ቃልሲ ዓበይቲ ዓወታት ዝሃነጸሉን ከም መሪሕ ውድብ ህዝቢ ኤርትራ ዝደልደለሉን ታሪካዊ ዓወት ዝዓተረሉን ሳልሳይ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ዝኮነ መድረኽ ሰማንያታት ። ቀዳማይ መድረኽ ምጅማር ሃገራዊ ፖለቲካ ወርሒ ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ብ ግንቦት ኣብ ኣስመራ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝተሰምየ ናይ ኤርትራውያን ፋልማይ ዘበናዊ ማሕበር ምምስራቱ ኣብ ፖለቲካዊ ውዳቤ ኤርትራውያን ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ነይሩ። ታሪካዊ ኣገዳስነቱ ኸኣ ከም ውዳቤ ኣብ ዓቕሙን ስርሑን ዘይኮነስ ናይ ኤርትራውያን ቀዳማይ ዘበናዊ ማሕበር ኣብ ምንባሩ እዩ ዝምርኩስ። ይኹንምበር እቲ ኣብ ዝተመስረተ ንሸውዓተ ማሕበራት ኣብ ትሕቲ ሓደ ሃገራዊ ፕሮግራም ዝሓቁፍ ቀጽሪ ናጽነት ኤርትራ ከም ናይ ምምስራት ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ቀዳማይ ህቀና መጠን ታሪካዊ ፍጻሜ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ብዉሑዳት ሃገራውያን ኤርትራውያን ኣብ ፖርትሱዳን ዝተመስረተ ምስጢራዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኽተል ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ማሕበር ሸውዓተ ከኣ ብዘይ ኣፈላላይ ንሃገራውያን ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሃገራዊ ፕሮግራም ዝጥርንፍ ዘበናዊ ውዳቤ ስለ ዝነበረ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ህተማታት ኤርትራን ክሳብ ኢትዮጵያን ሰፊሕ ደገፍን ዝናን በ። ስለዚ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ፖለቲካዊ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ታት ብኣወንታ ዝማዕበለ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣይነበረን። ይኹንምበር ኣብ ተሓኤ እቲ ወሳኒ እቲ ደሞክራሲያዊ ሓይሊ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ሓድነት ክልቲኡ ውድባት ረብሓ ዘይነበሮ ኣድሓርሓሪ ሓይሊ ስለ ዝነበረ ንኹሉ ናይ ሓድነት ተበግሶታትን መደባትን ዓንቂፉ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ኣብ ዳግማይ ኩናት ሓድሕድ ከም ብሓድሽ ወሊዑ። ነዚ ምዕባሌታትዚ ብዘርኢ ኣብ ፖለቲካዊ ጸብጻብ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ እዚ ዝስዕብ ገምጋም ሰፊሩሎ እቲ ጉዳይ ከም ናይ ተሓኤን ሀግን ረጽሚ ጥራይ ኣቃሊልካ ዝርአ ዘይኮነ ኣብ ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሕቶ ምህናጽ ሰፊሕ ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባርዩ ነይሩ። ስለዚ ህዝባዊ ግንባር ዝለዓለ መድረክ ኣብ ታሪክ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ከም ሰፊሕ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ናጻ ኤርትራ ናጽነት ኣብዚ ዝሓለፈ ምዕራፋት ሸፈፍ ኢልና ክንርእዮ ዝጸናሕና ታሪክ ኣመዓባብላ ፖለቲካዊ ውዳቤ ህዝቢ ኤርትራ ከፋቲ ሓድሽን ዝማዕበለን መድረክኽ ናይ ምቹም ሃገራዊ መንግስቲ መድረኽ እዩ ነይሩ። ማዕረማዕሪኡ ኸኣ ከም ካብ መንግስቲ ዝተፈልየ ኣብ ህዝቢ ስነሓሳባውን ፖለቲካውን ስራሕ ዘካይድ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብሓድሽ ኣወዳድባ ክቕጽል ነይርዎ። ሳልሳይ ጉባኤ ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ጉዕዞ ህዝባዊ ግንባር ኣገዳሲ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ነይሩ። ድሕሪ ሳልሳይ ጉባኤ እምበኣር እቲ ቀንዲ ዕማም ንህዝባዊ ግንባር ከም ሰፊሕ ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ዳግም ምውዳቡን ኣብ መስርሕ ምህናጽ ሃገር መራሒ ስነሓሳባውን ፖለቲካውን ተራኡ ብግብሪ ምርግጋጽን እዩ ነይሩ። ሃገራዊ ቻርተር ኣወዳድባ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብዚ ዝስዕብ ሽዱሸተ ውድባዊ መትከላት ከም ዝምስረት ኣነጺሩ ሰፊሕ ዝሰረቱ ግንባር ህግደፍ ንኹሎም ብሓድነትን ሰላምን ራህዋን ኤርትራ ዝግደሱ ኣብ ፖለቲካ ክነጥፉ ዝደልዩ ሃገራውያን ዝስሕብን ኣብ መስርዑ ዘሳትፍን ብሰፊሕ ሰረቱ መርኣያ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ናይዚ ሓድነትዚ ዋሕስን መደልደልን ክከውን ከም ዘለዎ ውሽጣዊ ደሞክራሲያዊ ህይወት ዘለዎ ኣሳታፊ ግንባር ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሓኡን ህይወቱን ደሞክራሲያውን ኣሳታፍን ክከውን ኣብ ውሽጢቲ ሓፈሻዊ ዕላማታትን መትከላትን ክሳብ ዝኮነ ንዝተፈላለዩ ዝምባሌታትን ኣረኣእያታትን ቦታ ክህልዎ ከም ዝግባእ ብቹፅ ወካሊ ተሓታትነት ዘለዎ በብግዚኡ ዝቕየር መሪሕነት ኣብ ህግደፍ ኣብ ኣመራርጻ መሪሕነት ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ብቕዓት ከም ቀንዲ መምዘኒ ክውሰድ መሪሕነት ናይ ህዝቢ ኩነታትን ሽግራትን ስምዒትን ሃንቀውታን ብቐረባ ክፈልጥ ብእኩብ ክግምግምን ክውስንን ክከታተልን ናይ ነፍሲ ወከፍ መራሒ ሓላፍነትን ደረት ስልጣንን ተፈሊጡ ውልቃዊ ሓላፍነት ክስከም መሪሕነት ግቡእን ሓላፍነትን እምበር ውርሻ ክከውን ስለዘይብሉ ሓደ ሰብ ንመሪሕነት ዝምረጸሉ ግዜ ብቕዋም ክውሰን ከም ዘለዎ ካብ መንግስቲ ዝተፈልየ ናይ ግንባር ህላወን ንጥፈትን ህግደፍ ካብ መንግስቲ ዝተፈልየ ህላወን ንጥፈታትን እንተዘይብሉ ምስቲ መንግስቲ ተሓናፊጹን ብእኡ ተዋሒጡን ምድካሙን ምልማሱን ክስዕብዩ። እዚ ድሕሪ ናጽነት ናይ ህዝባዊ ግንባር እቲ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ዓወትዩ። ምህናጽ ድልዱል ሃገራዊ መንግስቲ ኣብ ታሪክ ኣመዓባብላ ፖለቲካዊ ውዳቤ ህዝቢ ኤርትራ ምቓቹም ናጻ ሃገራዊ መንግስቲ እቲ ዝለዓለ መድረዥዩ። ከም ኣብ ዝሓለፈ ምዕራፋት ዝዘተናዮ ኣብ ታሪክ ደቂ ሰብ ክሳብ ሕጂ ሃገራዊ መንግስቲ እቲ ዝለዓለ መልክዕ ፖለቲካዊ ውዳቤ ሕብረተሰባትዩ። ነዚ ንምፍጻም ከኣ ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ክፍልታት ህዝባዊ ግንባር ናብ ክፍልታት መንግስቲ ሓርነታዊ ሰራዊት ናብ ሃገራዊ ሰራዊት ዝቕየረሉ መስርሕ ጀሚሩ። ከምቲ ኣብ ሃገራዊ ቅዋምን ሃገራዊ ቻርተርን ዝተገልጸ ቀንዲ ባህርያት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ንሃንጾ ዘሎና መንግስቲ ብበምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይክኣል ሃገራዊ እቲ ዝለዓለን ዝሓየለን ፖለቲካዊ ተማእዛዝነት ንሃገራዊ መንግስቲ ምኳኑ ዘረጋግጽ ኩሉ ናተይ ዝብሎ ንሓደ ዘይቀርቦ ንሓደ ዘይርሕቆ ሃገር ዝሃንጽ ኣብ መትከል ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ተመስሪቱ ንትምክሕትን ፍርሕን ዘወግድ ማሕበራዊ ስኒት ዝሃንጽ ኣብ ትሕተሃገራዊ ምትእስሳራትን መንነትን ናይ ወገን ባህሊ ሃይማኖት ዝተመስረተ ጉጅላውን ከፋፋልን ፖለቲካ ዘየፍቅድ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ከተማን ገጠርን ሰፊሕ ሰረትን መርበብን ዘለዎ ኣብ ናይ መሰልን ግቡእን ማዕርነት ዜጋታት ዝተመስረተ ብመገዲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተሳ ታፍነት ዜጋታት ኣብ ምክልካልን ህንጸትን ሃገር ዘረጋግጽ መንግስቲ።