Detecting...
Please whitelist dirzon to continue.
መሰል ደራሲኡ ዝተሓለወ እዩ። ዶር ክፍሉ ገብረመስቀል ቁሳይ ኣስመራ ኤርትራ ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ። መቸም ናይቲ ሓደ ኸኣ ከምቲ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ጉዳይኖ ብሓቂ ህጹጽ እንተጐነ ቐዳምነት ክወሃበና ክንሓትትከምቲ ኣብ ባህልኖ ዝጸንሔ ኸኣ ንግዱዕ ንሸማግለ ንህጻን ንጓልኣንስተይቲ ከይተሃላለኽና ክንደናገጽ ግቡእ እዩ። ስነምግባር ተጐዓዝትን መገድን ህዝብና ኣብዚ እዋን እዚ ዘርእዮ ዘሎ ብልሹው ናይ መገዲ ስነምግባር ምናልባሽ እቲ ዕዉት ቁጽሪ ወይ ቲኬት ዘይተዓደገ እንተኹይኑ ተዓዋቲ ስለ ዘየልቦ እቲ ክልተ ሚልዮን ክንድኡ ተወሲኽዎ ኣርባዕተ ሽዱሽተ ሸሞንተ እናበለ እዩ ዝድይብ። ንድኻ ኩነ ሃብታም ንሰብኣይ ኩነ ሰበይቲ ንወዲ ኩነ ጓል ንሽማግለ ኩነ ቆልዓ ንኹሉ ዘገድስ ገንዘብ እዩ። ስለዚ ገንዘብ ኣዝዩ ኣድላዩ ነገር እዩ። ዓለም ሎሚ ዘድልያ ዘሎ ካብቲ ኣትያትሉ ዘላ ዓዘቕቲ ዘውጽኣ መድሓኒ ጥራይ እዩ። ሞራላዊ ሕግታት ምሕላው ኣብዝን ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወትን ኣዝዩ ዝጠቕም እዩ። ነታ ድሕሪ ሞት ዘላ እትመጽእ ህይወት ግና ምኽንያቱ ምሕሳው ሕግታት ንዓና ዘድሕነና ኹይኑ ስለ ዘይተረኽበ ኣምላኸ ዝቐለለ ካልእ መገዲ እዩ ኣዳልዩ ዘሎ ዘድሊ እምነት እወ ግብራዊ እምነት እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ እዩ።
መቸም እቲ ውልቀሰብ ብኹሉ መዳዩ እንተ ድኣ ጥዕዩ እቲ ቤተሰብ ኢሉ ኸኣ እቲ ማሕበረሰብ ወይ እቲ ህዝቢ ጥዑይ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣንባቢ ምስ ኣባላት ስድራ ቤቱ ማለት ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ወለዲ ምስ ውሉዶም ወይ ምስ ብጻዩ ብዛዕባ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ጉዳያት ኣብ ዝርርብን ዘተን ከምኡ ድማ ኣብ ክትዕን ምልውዋጥ ሓሳብን ክኣቱ ዓቢ ትጽቢት ናይ ደራሲ እዩ። ክሳዕ ኣርብዓታት ደቂ ሰባት ኣብ ትምህርትን ስነፍልጠትን ቴክኖሎጂን ሕርሻን ሕክምናን ካልእ መዳያትን ዘርኣይዎ ምዕባለ ኩሉ ናይ ዓለምኖ ሽግር ንኽፍታሕ ኣብ ኢድ ሰብ እሞ ኸኣ ናይ ጊዜ ጉዳይ ጥራይ ከም ዝኹነ ገይሮም ይኣምኑን ይዛረቡን ነይሮም እዮም። ስለዚ ሰብ እወ ሰብ እዩ እቲ ቀንዲ ሽግር። ዝብል እዩ። እዚ ሕቶ እዚ ብፍላይ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ቋንቋን ባህልን ሃይማኖትን ብዙሕነት ኣብ ግምት ብምእታው ዘጸግም እዩ ዝመስል። ግን እቲ ሓቂ ከምዚ እዩ። ስለዚ ዝኹነ ይኹን ሰብ ብዘይ እቲ ህይወትን ብርሃንን ዝኹነ ኣምላኽ ንህይወቱ ይመርሕ እንተድኣ ኣልዩ ንኣምላኽ ዘየጀጽሮን ከኣ ከም ሓደ ዘየድሊ ገይሩ ዝሓስቦን እንተ ኹይኑ ብምርጫኡ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ካብ ህይወት ዓጽዩ ኣብ ጸልማትን ሞትን ዘንብር ዘሎ እዩ። ንኣብነት ኣብ መንጐ ሓደ ኣምላኽ እዩ ፈጢሩና ናይ ህይወት ዕላማ ንኣምላኸን ንብጸይካን ምፍቃር እዩ ሰብ ንዘልኣለም እዩ ዝነብር ድሕሪ ሞት ከኣ ፍርዲ ኣሎ ኢሉ ዝኣምንን ከምኡ ኢሉ ዝመላለስን ሓደ ኻልእ ከኣ ሰብ ካብ ኣህባይ እዩ መጺኡ ሞት መወዳእታ ሰብ እዩ ፍርዲ ዝበሃልውን የለን ኣምላኽ ዝበሃል የለን ሰባት ዝተጣበብዎ ጽውጽዋይ እዩ ዝብልን ዘርእይዎ ጠባይን ዘለዎም ቅዲ ህይወትን ፈጺሙ ዘይራኸብ እዩ። ፍርዲ ኸኣ ኩሉ ሳዕ ኣብ ልዕሌና ምስ ኣንጸላለወ እዩ። እዚ ኸኣ ሕጊ ናይ ፍቕሪ እዩ። እንተዘይኩነ ከምቲ ናይ ሾልት ኣቕሓ ኣብ ኣእቲና ካብ ጥቕሚ ወጻኢ እንገብሮ እቲ ሓዳር ከምኡ ክኸውን እዩ። እቲ ጸገም ናይ ፍቕሪ ኣብ ውሽጢ ባህርይ ኩሉ ሰብ ዘሎ ክነሱ እዚ እዩ ኢልካ ብቓላት ንምግላጹ ዘሸግር እዩ። እቲ ኣብ ልቢ ዘሎ ውሳነ ግን ድሌት እንተሎ ኩሉ ሳዕ ዘይንቕነቕ ኩይኑ ኣብ ስፍርኡ እዩ። ንሱ ኸኣ እዩ እቲ ኪዳን እንብሎ። ስለዚ እዚ ንቁልዓ ጌጋ እዩ ጥራይ ምባል ጥበብ ሰብ እዩ ብዙሕ ጊዜ ድማ ኣይሰርሕን እዩ ኣኻሊ ከኣ ኣይኩነን ከም ሓሳብ ክሳፅ ትሕቲ ዓመት ንዘለዉ ክሳዕ ዘሰምብር ማህረምቲ ግናኸ ብሓልዮትን ብኣገባብን ብመጠንን ዘቅጽዖም ምኽንያት እናነገርና ከነፅብዮም ግቡእ እዩ። ነስተውዕል ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት መራሒ ኩሉ ሳዕ ሓደ ኣካል ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኸእል። ሰብኣይ ግን ምናልባሽ ርሒቹ ስለዝውፅል ጥራይ ዘይኩነ ንነገራት ክሳዕ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ዘይበጽሑ ደሓን ዘይኣሕዋት እዮም ሓመድ ኣባኢስዎም ሓመዶም ክዓርቐም እዩ ከምኡ ኣይትበሊ ደሓንዩ ከምዚ እንተ ደጊሞም ሽዑ ከነሰምዓሎም ኢና ብሓፈሻ ዝብል ብምኺኑ እዚ ርግእ ምባል ከኣ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝድለ ባህርያት መራሒ ሰለ ዝኙነ ሰብኡት ካብ ኣንስቲ ብባህርዮም ንመሪሕነት ዝሓሹ ሕጹያት ይገብሮም እዩ እዚ ምላሽ ዘየዕግበን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኣዳምን ሂዋንን መን ቅድም ከም ዝተፈጥረ እንተ ሓተታ ኸኣ ጽቡቕ እአዩ። እቲ ኖይ ምብህሃል ጸገም ከኣ ንሱ እዩ። ነቲ ዘረባ እንተ ኣዞርናዮ ኸኣ ምብህሃል እንተዘየሎ ፍቕሪ እናዛሕተለን እናጠፍኤን እናሞተን እዩ ዝኸይድ ዝብል ኣዘረርባ ቅኑዕ እዩ ሰለዚ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ኩነ ምስ ደቆም ናይ ምብህሃል ሻምብቆኦም ኩሉ ሳዕ ክፉት ክኸውን ኣዝዩ ዘድሊ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ኣብ ዓለምና ናይ መራሕቲ ጸገም ኣሎ ዝበሃል። እዩ። ሕጊ ወፍሪ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንዕኡ ኸኣ ክዓጽዶ እዩ ዝብል ኩይኑ እዚ ኸኣ ብዓይነትን ብመጠን እቲ እንዘርኦን እዩ። እቲ ጸገም ናይ ሓደ ክልተ ውልቀሰባት ወይ ከኣ ህዝብታት ዘይኩነ ናይ ዘርኢ ሰብ ብምሉኡ እዩ። ርግጽ እዩ ሓደ ሓደ ጊዜ ንመን ኣቱም ንመን ከኣ ኣታ ክንብል ከም ዘሎና የጸግመኖ እዩ። ርግጽ እዩ ሰባት ብዙሕ ሃጠውቀጠው ይዛረቡን የንውሑን ይደጋግሙን እዮም ግን ንኸዛረቡ ዕድል ካብ ተዋህቦም ሓሳቦም ክገልጹ ኸኣ ሰብኣዊ መሰሎም ካብ ኩዓ ክሳዕ ዝውድኡ ክንዕገሶም ጥራይ እዩ ዘሎኖ ወይ ከኣ ብመገዲ ነቲ ጉባኤ ዝመርሖ ሰብ እቲ ዘረባ ኣርእስቱ ከይስሕት ክንገብር ዝከኣል እዩ። ጽቡቕ እዩ። እንታይ እዩ እቲ ጉዳይ። በዚ ዘበን እዚ ገንዘብ ኣየድልን እዩ ወይ ክፋእ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ እንተድኣ ኣልዩ ብሓሳቡ ኣብ ዘበነ እምኒ እኳ እንተዘይበልና ግን ብዘይ ጥርጥር ኣብ ማእከላይ ዘበን ዝነብር ዘሎ ሰብ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። እቲ መጽሓፍ ይብል እቲ ፍቕሪ ገንዘብ እዩ ሱር ኩሉ ክፍኣት እምበር ገንዘብ ኣይኩነን። ግን ንሰብ ከም ሰብ ጥራይ ርኢኻ ነቲ ሕልናኡ ናብቲ ቅኑዕ ከዘምብል ማለት እቲ ናይ ሰብ ሽግር ኣብ ግዳም ዘይኩነ ኣብ ውሽጡ ስለ ዘሎ ንኸትልውጦ ክትፍትን እንተ ዘይኩደኑ ካብኡ ሓሊፍካ ዝግበር ብዙሕ የለን። ከምኡ ኸኣ እዩ። እቲ መጽሓፍ ይብለና ንሱ ካብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ኹላ ምድሪ ክነብሩ ኩሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። እዚ እዩ ኸኣ እቲ ዘየናሕሲ ሕጊ መነባብሮ። እቲ ዘዛርብ ዘሎ ግን ናይቶም ኣብ ኣእዳውኖናን ኣብ መናድቕ ገዛናን ምናልባሽ ከኣ ኣብ መኻይናን እሞ ኸኣ ጽቡቕ ዝሰርሓ ሰዓታት ከለዋና ጊዜ ዘይንሕሉ ሰባት እዩ። ግን እንታይ ማለት እዩ። ኣብዚ ኸኣ እዩ ዘሎ እቲ ኖይ ትዕቢት ሕሰም። ምኽንያቱ ኣምላኽ ኣምላኸ እዩ እምበር ሰብ ኣይኩነን። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ ኣብ ሰብ ዝውከል ቅልጽሙ ኸኣ ኣብ ስጋ ዝገብር ብልቡውን ካብ እግዚኣብሄር ዝርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ። ሓደ ፍታሕ ጥራሕ እዩ ዘሎ ንሱ ኸኣ ከምቲ ሰብ ንፈጣሪኡ ካብ ህይወቱ ዘውጽኦ ፈትዩ ክመልሶ ጥራይ እዩ ዘለዎ።