Detecting...

Please whitelist dirzon to continue.

or subscribe for ad-free contenct.

dirzon
  • Convert to Pdf
  • Reading List
  • Summary
  • Audiobook
  • Search
  • Upload
  • myzon
  • Log in
  • Register
English  አማርኛ  Français  العربية  Portuguese
Book of the day

መጽሔት-ኣስተርእዮ-፪.pdf


Advertisement
  • word cloud

መጽሔት-ኣስተርእዮ-፪.pdf
  • Extraction Summary

ነጉ ርጋ ው ጫኔ ዬ ኡ መጽሔት ኣስተርእዮ ኣይነበሩን እንታይ ደኣ ጽቡቕ ገይርና ክንፈልጦ ዘሎና እቲ ኃጢኣት ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ እንታይ ኢዩ ትርጐማ ንዓይ ከም ዝርድኣኒ ንፍርዲ ዝተቓልዐን ንሞት ዝተፈርደን ማለት ኢዩ። እቲ ሥርየተ ኃጢኣት ዝተባህለሉ ምኽንያት ኸኣ ካብ ሥልጣን ኃጢኣት ወዩኦም ናብ ብርሃንን ሕይወትን ስለ ዝሰጋገሩ ኢዩ። ዲያቆን ሓበን ደጀን እቲ ኣቦ ዓለማት ዝኹነ ወዲ ኣለዎ ንሱ እንኩ ቃል ኣምላኽ ኢዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ብመልክዕ ሓውን ብምስሊ መልኣኽን ንሙሴን ካልኦት ነቢያትን ዝተገለፀሉ ኢዩ።

  • Cosine Similarity

ናይ ድኅነትና ዋጋ ክርስቶስ ኢዩ እንተ ደኣ ኢልና እቲ ኣምላኽ ኣብ ደቂ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ከኣ ብመሥዋዕቲ ናይ ክርስቶስ ኢና ንርእዮ። ንሱ እንተ ኮይኑ እቲ ዋጋ ሚዛን ፍቕሪ እግዚአብሔር ኣባና ኣብ ደቂ ሰባት ከኣ ክንዲ እቲ ውዕለት ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኢዩ። ኣብ እዋን ልደት ናይ ጐይታ ካብቲ ዘደንቕ ነገር ሓደ ኸኣ እቶም ጓሶት ምስ መላእኽቲ ኮይኖም ብመዝሙር ምሥጋና ንኣምላኽ ምምሥጋኖም ኢዩ። እቲ ጐይታ ሓደ ኢዩ እቲ መንፈስ እውን ዘይልወጥ ዘለዓለማዊ ሓደ ንሱ ኢዩ። እቲ ናፍቐት ዘሎዎ ሰብ ከኣ ንኣምላኽ ኣብ ደገ ዘይኮነ ኣብ ውሽጡ ኢዩ ዝደልዮ። እዚ ማለት ክብሪ ኣምላኽ ንምፍላጥን ንኽብሪ ኣምላኽ ንምንባርን ተጠቐምቲ ሓድሕዳዊ ጸጋ ንምኺን ናብ ሕብረት እምነት ንምምጻእ ነቲ እነምልኾ ኣምላኽ ብዝግባእ ንኽንፈልጦ ወንጌል መንግሥቲ ኣምላኽ ንምስፍሕፋሕ ንምሕናፅ ማኅበር ኣምላኽ ንምግላጽ መንነት ኣምላኽ ንምጽንናዕ ምስሊ ወዲ ኣምላኽ ንምትሓዝ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ክንዕወት ኃይሊ ንምዕጣቕ ወዘተ ዕላማ ዝገበረ ኢዩ። እዚ ጊዜ እታ ቤት ኣምላኽ ብብዙኅ መዳያት ክትድገፈሉ ዝግብኣ ጊዜ ዋላኳ እንተኩነ ብዙኃት ግና ነቲ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዘይኮነ ናይ ገዛእ ርእሶም ምስ ወንጌል ኣምላኽ ዝተዛናብዐ ትምህርታን ኣብ መድረኽ ቤተክርስቲያን ብምትትታው ንስሞምን ረብሕኦምን ዘኻዕብት ጽውጽዋይ ትንቢታትን ጽድቂ ገዛእ ርእሶምን ብምስባኽ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ክጉዩትቱን ኣደራዕ እዛ ቤት ክኾኑን ምርኣይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ስምዖን ዝሓሰቦ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ዝኹነ ከም ምባል ስለ ዝነበረ እቲ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዝብል ኣብዚ ምድሪ ይኹን ወይሲ ኣብ ሰማይ ፈጺሙ ከም ዘይሕደገሉ ካብ ጐይታ ዝተማህሮ ምህሮ ስለ ዝነበረዩ ምናልባሽ ሓሳብ ልብኻ እንተ ሓደገልካ ዝበሎ። እዚ ድማ ሕይወትና ምስ ቃል ኣምላኽ ብጥቡቕ ክንዛመድን ካብ ኣምላኽ ድማ ጥበብ ክወሃበና ብምልማን ኢዩ። እቲ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝኹነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንረኽቦ ቤተ ሰብ ኢና ክንዛረብ። ስለዚ ሓደ ሰብኣይ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ክዋሰቡ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ በዚ ድማ ኣብ ሓዳሮም ማእከላይ ዝኹጌኖም ኣምላኽ ኢዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኩሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ ኣለዎ ፆ ቆረ ፖ። ስለዚ ዝኹነ ሰብ ከምቲ ናይ ጳውሎስ ብድንግልናዊ ሕይወት ክነብር ህያብ ኢዩ ብቅዱስ መውስቦ ምንባር እውን ህያብ ኣምላኽ ኢዩ። እዚ እግዚኣብሔር ዝመደቦ መውስቦ ኣብ ኩሉ ኽቡር ኢዩ ብዘይፍቓድ ኣምላኽ ዝምራሕ ሓዳር ካብ ክብረት ናብ ሕስረት ይወርድ። ናይ ሰብኣይ ፍቕሪ ኣብ ውሽጡ ክብሪ ኣለዎ ክጐልሕ መጽሔት ኣስተርእዮ ከሎ ግና እቲ ዝገሃድ ፍቕሪ ኢዩ። መውስቦ ቃል ኪዳን ኢዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሔር ምስ ብዙኃት ቅዱሳት ሰባት ኪዳን ከም ዝኣተወ ንርኢ። ሀ ታሪኽ ሥነፍጥረት ኣዳም እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነዚ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ኩሉ ፍጥረታት ፈጢሩ ምስ ወድአ ኣብ መወዳእታ ገዛኢን ሓላውን ናይ ኩሉ ፍጥረታት ምእንቲ ክኸውን ኣብ መወዳእታ ብኽብሪ ንኣዳም ኣብ ሻዱሻይ መዓልቲ ፈጢርዎ። እቲ ካብ ኩሎም ፍጥረታት በሊጹን ከቢሩን ኣብ መወዳእታ ዝተፈጥረሉ ምኽንያት ኸኣ ከምቲ ክቡር ጋሻኻ ናብ ቤትካ ምስ ዓደምካዮ ኩሉ ነገር ኣዳሊኻ ትጽበዮ ወይ ሓደ ንጉሥ ኣብ ወንበር ክብሩ ክግለጽ ከሎ ድኅሪ ኩሎም ኣገልግልቱን ዓሳኽሩን ንሕዝቢ ዝግለጽ ልክዕ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኸኣ ብኽብሪ ስለ ዝፈጠሮ ኣብ መወዳእታ ናይ ፍጥረታት ፈጠሮ። እቲ መልክዕ ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎዎ ኅብረት ዘውሕስ ጸጋ ኢዩ። እቲ መልክዕ ኣምላኽ ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ ነዚ ዝስዕብ ኢዩ። ለ ውድቀት ኣዳም ኣዳም ኣብ ገነት ምስ ተፈጥረ ካብ ኣምላኽ ሓደ ትእዛዝ ተቐቢሉ ነይሩ። ንሱ ኸኣ ከምዚ ዝብል ኢዩ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ንሰብ ካብ ኩሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ ኢሉ አዘዞ። እቲ ካብ መጀመርታ ብመልክዕ ኣምላኽን ምስ ኣምላኽ ኅብረት ዘሎዎን ኮይኑ ዝተፈጥረ ኣዳም ናብ ምስሊ እግዚኣብሔር ኣቢሉ ዝዓቢ ግና ብተግባር ኣቢሉ ኢዩ። ስለዚዩ ቅዱስ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ብዛዕባ ትእዛዝ ኣምላኽ ዚነግረና እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ንሰብ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ኣዘዞ ጣብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ። ሐ ምሕላፍ መቕጻዕቲ ኃጢኣት ኣዳም ናብ ዘርኢ ኣዳም ኣዳም ኣብ ገነት ከሎ ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሰ ኩሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣዳም ዝተፈርደ ፍርዲ ኩነኔ ናብ ዘርኢ ኣዳም ሓሊፉ ኢዩ። ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ይብል ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ኃጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ ብኃጢኣትውን ሞት ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ሐለፈ። ሮማ እቲ ናብ ኩሉ ዘርኢ ኣዳም ዝሓልፍ ሞት ኢዩ ደኣ እንበር ውልቃው ኃጢኣት ናይ ኣዳም ኣይኩነን። እዚ ማለት ምስ ኣምላኽ ሕብረት ዘይብሎም እቲ ካብ መጀመርታ ዝተፈጥረሉ መልክዕ ኣምላኽ ዝተበላሸወ ናብ ምስሊ ኣምላኽ ክዓብዩ ዘይክእሉ ውሉድነት ዘይብሎምን ኣብ ርስቲ ናይ መንግሥተ ሰማይ ክወርሱ መሰልን ግደን ዘይብሎም ኮይኖም ይውለዱ ማለት ኢዩ። ብኣንፃሩ መጽሓፍ ቅዱስ ክምህረና ከሎ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ይብል ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሠልጠነ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ሞትን ሙስናን በቲ ቀዳማይ ኣዳም ናብ ባሕርይ ደቂ ሰባት ስለ ዝኣተወ ኩሉ እቲ ዝውለድ ሰብ ነቲ ዝወደቐ ቀዳማይ ኣዳም መሲሉ ኢዩ ዝውለድ። ብኸመይ ኢዩ ምስ ናይ ክርስቶስ ሞት ዝኃብር እንተ ደኣ ኢልና ነቲ ብቀዳማይ ኣዳም ኣቢሉ ዝረኸቦ ኣረጊት ሰብነት ጊዙ ናብ ከርሲ ናይቲ ማይ ምስ ኣተወ እቲ ማይ መቓብሩ ይኸውን ካብቲ መቓብር ናይ ማይ ክወፅእ ከሎ ኸኣ ልክዕ ነቲ ካልኣይ ኣዳም ዝኩነ ክርስቶስ መሲሉ ይትሥእ። ከምኡውን እቲ ልዕሊ ኩሉ ቅዱስ ዝኹነ ወዲ ኣምላኽ ኣብኡ ከምኡ ኢዩ። ንሱ ከምቲ ንሳቶም ዝሓስብዎ ብዛዕባ ናይ ዴሬ ኢኢ ጨጮብዘአዘዚበጻመ መጽሔት ኣስተርእዮ ሰብ ተፈጥሮኣዊ ልደት ካብ ኣደ ኣይኩነን ዝጠቕስ ዘሎ እንታይ ደኣ ብዛዕባ ዳግማይ ልደትን ዳግማይ ፍጥረትን ናይ ነፍሲ ብመልክዕ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ ከ በርበኪ ክብል ነፍስና ብጥምቀት ኣቢላ ናብቲ ቀዳማይ መልክዕን ከም ምስሊ ኣምላኽ ኩይና ከም ትውሉድ ኢዩ ዘብርሃልና። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይዛረብ ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ኃጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ ብኃጢኣትውን ሞት ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ሐለፈ።

  • N.B. This Summary is Very Experimental!! based on the following scripts from:
    • https://github.com/millzon/textSummarizer-am
    • https://github.com/icoxfog417/awesome-text-summarization#motivation
Download Searchable PDF Download PDF

Advertisement
Bottom banner

Download options | Convert to Pdf | Reading List | Advertise on dirzon

© dirzon | Terms of Service | Privacy | About | Services | Contact