Detecting...
Please whitelist dirzon to continue.
ምሸት ኩነ ብጊሓትውን ኩነ ሳድሰይቲ መዓልቲ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል እዚ እዩ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ከርስቶስን አዚ እዩ። አቲ ሻሸ አቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኸተማን ድማ ከበቡ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር ገለ ርኸሰት ወይስ አቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ። ድሕሪ ደጊምሲ ለይቲ አይኪኸውንን ብርሃን ቀንዴልን ብርሃን ጸሓይንውን ኣይኬድልዮምን እዩ። ነዚ ነገር እዚ ዝሰማዕከዎን ዝርኤኽዎን ኣነ ዮሃንስ እየ። አንሆ ቀልጢፈ አመጽእ አሎኹ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኸፈድዮ ኸኣ ዓስበይ ምሳይ እዩ። ኣነ ቓላት ትንቢት እዚ እንተ ኣጐደለ ኣምላኸ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ አዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን አታ ቕድስቲ ኸተማን ግዲኡ ኹጐድለሉ እዩ።
ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ኹሉ ስጋ ኺጠፍእሲ አንሆ ድማ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ እየ እሞ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኹሉ ኺመውት እዩ። ይኸውን ከኣ ደበና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዘደባኑ ኣብቲ ደበና ድማ ቀስቲ ኺርኤ እዩ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ አቲ ኣብ ኩሉ ስጋ ዘሎ ኹሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳነይ እዝከር። አቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደበና ኪኸውን እዩ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣብ ኩሉ ስጋ ዘሎ ኹሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳን ዘለኣለም ምእንቲ ኸዝከር ከርእዮ እየ ኣምላኸ ድማ ንኖህ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ኹሉ ስጋ ዘቹምከዎ ኺዳን ምልክቱ እዚ እዩ በሎ። ንሱ ኣብ መንጎ ሰብ ከም ኣድጊ በረኻ ኪኸውን እዩ ኢዱ ናብ ልዕሊ ኹሉ ኢድ ኩሉ ድማ ናብ ልዕሊኡ ኸትከውን እያ ኣብ ቅድሚ ኹሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ኪነብር እዩ በለ። ንሱ ኸኣ ኣነ እየ በለ። እግዚኣብሄር ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ ምሕረት ድማ ገበረሉ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ሞገስ ሀቦ። ነቲ ሓደ ሓውኩምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኺሰዶም እቲ ኹሉ ዚኸአል ኣምላኸ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ምሕረት ይሀብኩም ኣነ ውሉድ እንተ ሰኣንኩ ውሉድ እስኣን በሎም እቶም ሰብ ድማ ነዚ ገጽ በረኸት እዚ ወሰዱ ዕጽፊ ገንዘብ ከኣ ኣብ ኢዶም ንብንያምውን ሒዞም ተንስኡ ናብ ግብጺ ወሪዶም ድማ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው በሉ። ንሱ ድማ ህዝቢ ኪኸውን እዩ ንሱ ድማ ዓብዬ ኪኸውን እዩ። ሙሴ ግና ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሀደመ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ተቐመጠ ኣብ ጥቓ ዔላ ኸኣ ኮፍ በለ። ኣምላኸ ድማ ንሙሴ ተዛረቦ በሎ ኸኣ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ። ምዕራፍ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ ናብ ፈርኦን ኣቲኻ እግዚኣብሄር ኣምላኸ አብራውያን ከምዚ ይብል ኢልካ ተዛረቦ ንህዝበይ ኬገልግሉኒ ይኺዱ ሕደጎም ንስኻ ግና ምሕዳጎም ኣቤኻ ገና አንተ ሐዝካዮም እአንሆ ኢድ እግዚኣብሄር መሮር ኣብ ዘለዋ ማልካ ኣብ ኣፍራስ ኣብ ኣእዱግ ኣብ ኣግማል ኣብ ኣሓን ኣብ ኣባጊፅን ብኣዝዩ ብርቱዕ ሕማም ክትከውን እያ አግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ማል አስራኤልን ኣብ መንጎ ማል ግብጻውያንን ምፍልላይ ኪገብር እዩ ካብ ኩለን ናይ ደቂ አስራኤል ገለኳ ኣይትመውትን አግዚኣብሄር ድማ ከምዚ ኢሉ ግዜ ቆረጸ እግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብዛ ሃገር እዚኣ አዚ ነገርዚ ኺገብር እዩ። አቲ ልቡ ናብ ቃል እግዚኣብሄር ዘየቕለበ ድማ ሰቡን ማሉን ኣብ መሮር ሐደገ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ ናብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ ማልን ናብ ልዕሊ ኹሉ ብኞሊ ግራሁ ኣብ ምድሪ ግብጽን በረድ ኪወርድ እዩ በሎ። ኪኸውን ከኣ እዩ ናብታ አግዚኣብሄር ዚህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኩም ከምቲ እተዛረቦ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ሓልዉ ኪኸውን ድማ እዩ ደቅኹም እዚ ኣገልግሎትኩም እንታይ እዩ ምስ ዚብሉኩም ንስኻትኩም ከአኣ እዚ ነቲ ንግብጻውያን ኪወቅዕ ከሎ ኣብ ግብጺ ኣባይቲ ደቂ አስራኤል ዝሐለፈ ኣባይትና ድማ ዘድሐነ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ፋስጋ እዩ ትብሉ። ኩነ ኸኣ አግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቂ አስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽኡሌ ምዕራፍ አግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዚኸፍት ኩሉ ሰቡን እንስሳኡን ንሱ ናተይ እዩ እሞ ኩሉ በኹሪ ንኣይ ቀድሶ ኢሉ ተዛረቦ። ኩነ ኸኣ ፈርኦን ከይሓድገና ምስ ተረረ አግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ግብጺ ንኹሉ በኹሪ ካብ በኹሪ ሰብ ከሳዕ በኹሪ አንስሳ ቀቲሉ እዩ አሞስለዚ ማሕጸን ዝኸፈተ ኹሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ ካብ ደቀይ ድማ በኹሪ ንዝኹነ ኹሉ አብጀዎ ትብሉ ኣግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ ኣውጺኡና እዩ እሞ አዚ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም መፈለጥታ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸኣ ከም ከታብ ይኹንካ። ንሱ ኸኣ እዚ እቲ አግዚኣብሄር ዝበሎ እዩ። እዚ ኣብቲ ኣነ ኸዛረበካ ምሳኹም ዝራኸበሉ ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ውሉድ ወለዶኹም ንወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ እዩ አብኡ ምስ ደቂ እስራኤል ከራኸብ እየ አቲ ድንኳን ድማ ብኸብረይ ኪቕደስ እዩ። ሙሴ ድማ ቀልጢፉ ኣብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደእሞ በለ ጐይታይ እዚ ህዝቢ እዚ ተሪር ከሳድ ህዝቢ አዩ አሞ ዓመጽናን ሓጢኣትናን ይቕረ ኸትብለልና ርስትኻ ጌርካውን ከትቅበለናስ ኣብ ዓይንኻ እንተ ደኣ ጸጋ ረኺበ በጃኻ ጐይታይ ኣብ ማእከልና ይኺድ በለ ድማ እንሆ ኣነ ኺዳን ከገብር እየ ንአኡ ዚመስል ኣብ ኩላ ምድሪ ወይ ኣብ ኩሎም ህዝብታት ዘይተገብረ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝብኻ ኸገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዜፍርህ ነገር እዩ እሞ ኩሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእከሉ ዘሎኻ ህዝቢ ግብሪ እግዚኣብሄር ኪርኢ እዩ። ኣብ ርአሲ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኢዱ የንብር እሞ ንምትዕራቹ ቐቡል ይኸውን ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕረዶ ነቲ ደሙ ኸኣ ደቂ ኣሮን አቶም ካህናት የቕርብዎ ነቲ ደም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ። ኢዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ርእሲ አቲ መስዋእቱ የንብር ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ድማ ይሕረዶ ነቲ ደሙ ኸኣ ካህናት ደቂ ኣሮን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ። ድማ ከልቲኤን ኩሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን ነቲ ኣብ ጥቓ ኹለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ይፍለ ደቂ ኣሮን ድማ ኣብ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ የሕርርዎ። አቶም ዓበይቲ አቲ ኣኹባ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣአዳዎም ኣብ ልዕሊ ርአሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ እቲ ዝራብፅ ከኣ ኣብ ቅድሚ አግዚኣብሄር ይተሐረደ እቲ አተቐብኤ ኻህን ድማ ካብ ደም ዝራብዕ ናብ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ እቲ ኻህን ከኣ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ መጋረጃ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ። ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ኣቕርንቲ አቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ይግበር። ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ አታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር ነታ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብ ቦታ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ይሕረዳ አቲ ኻህን ድማ ካብ ደማ በጻብዑ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበር ንኹሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይኸዐዎ። ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ሐረደ ደቂ ኣሮን ከኣ እቲ ደም ኣምጽኡሉ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ በብቹቐራጹ ነቲ ርእሱ ድማ ኣምጽኡሉ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ። ነቲ ኣብ ኢድ እቲ ኻህን ዝተረፈ ዘይቲ ኸኣ ናብ ርአሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ አቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ አግዚኣብሄር የተዐርቆ። ምዕራፍ እግዝኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ ንኣሮንን ንደቁን ንኹሎም ደቂ እስራኤልን እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞን ዝበሎን ነገር እዚ እዩ ኢልካ ተዛረቦም ዝኹነ ሰብ ካብ ቤት አስራኤል ብዕራይ ወይ ገንሸል ወይ ጤል ኣብ ሰፈር እንተ ሐረደ ወይ ኣብ ወጻኢ ሰፈር አንተሓረደኣብ ቅድሚ ማሕደር እግዚኣብሄር ንአግዝኣብሄር መስዋእቲ ኬቕርቦ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጽኦ ነቲ ሰብ እቲ ኸም ዕዳ ደም ይሞጸረሉ ደም ኩዕዩ እዩ አቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ኺምንቄስ እዩ። ምዕራፍ አግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ ንብዘሎ ኣኹባ ደቂ አስራኤል ተዛረብ በሎም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳን ኩኑ። ኩሉ ዕሽር ምድሪ ድማ ካብ ዘርኢ ምድሪ ኹነ ካብ ፍረ ኦም ኩነ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ ንአግዚኣብሄር አተቐደሰ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ እንሆ ኣነ ኣብ ከንዲ አቶም ኣብ ደቂ አስራኤል ማሕጸን ዝኸፈተ ኹሉ በኹሪ ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ አስራኤል ወሲደዮም እየ እሞ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ። ከልተ ሰብኣይ ድማ ስም አቲ ሓደ ኤልዳድ ስም እቲ ኻልኣይ ከኣ ሜዳድ ዚብሀሱ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ ንሳቶም ካብቶም ጽሑፋት ነበሩ ናብ ድንኳን ግና ኣይከዱን ነበሩ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዐረፈ ኣብ ሰፈር ከኣ ተነበዩ። ካብ አግዚኣብሄር ድማ ንፋስ ወጸ ካብ ባሕሪ ኸኣ ብርኒጎታት ኣምጺኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር መገዲ መዓልቲ ዚአከል በዚ መገዲ መዓልቲ ድማ በቲ ኣብ ዙርያ አቲ ሰፈር ኣውረዶ ምብራኹ ኸኣ ካብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ከልተ አመት ነበረ። ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ቅድሚ ማሕበር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ከዱ ብገጾም ድማ ተደፍኡ ከብሪ አግዚኣብሄር ከኣ ተራእዮም አግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ ነታ በትሪ ውሰዳ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከኣ ነቲ ኣኹባ ኣከብዎ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ነቲ ኸውሒ ተዛረብቓ ንሱ ኸኣ ማዩ ይህብ። ናብ መሮር ጾፊም ናብ ርአሲ ሏስጋ ድማ ወሰዶ ሾብዓተ መሰውኢ ኸኣ ነደቐ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኤ ንባላቅ ከኣ ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዚሐርር መስዋእትኻ ደው በል ኣነ ኣብኡ ኸራኸቦ ከኸይድ እየ በሉ አግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም ተራኸቦ ቃል ከኣ ኣብ ኣፉ ኣንበረ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ በለ። እቲ ኻብቶም ኣብ ውግእ ዝነበሩ ሙሴ ዝመቐሎ ፈረቓ እቲ ግደ ደቂ እስራኤል ከኣ እቲ ናይቲ ኣኹባ ፍርቂ ካብ ኣባጊፅ ሰለስተ ሚአትን ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚአትን አሓ ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ አአዱግ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነፍሲ ሰብ ድማ ዓሰርተው ሹድሸተ ሸሕ ኩነ ከምቲ አግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ድማ ሙሴ ኻብዚ ናይ ደቂ እስራኤል ፍርቂ ካብ ሰብን ካብ እንስሳን ከካብ ሓምሳ ሓደ ወሲዱ ነቶም ሓለዋ ማሕደር እግዚኣብሄር ዚሕልዉ ዝነበሩ ሌዋውያን ሀቦም እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ሰራዊት እተሾሙ ሓላቹ ኣሽሓትን ሓላቹ ሚአትታትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ ንሙሴ ኸኣ ገላዉኻ ቀጽሪ አቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ዓቀይቲ ቹጸርና ሓደ ሰብ እኳ ኣይጐደለናን። ርስትናስ ኣብ ከነጀው ዮርዳኖስ ብሸነኸ ምብራቕ በጺሔና እዩ እሞ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምሳታቶም ርስቲ ኣይንወርስን ሙሴ ድማ በሎም እዚ ነገርዚ እንተ ጌርኩም ኣብ ቅድሚ አግዚኣብሄር ከኣ ንውግእ ኣጽዋር እንተ ሒዝኩም ንጸላእቱ ድማ ካብ ቅድሚኡ ኸሳዕ ዚሰጎም አታ ሃገርውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከሳዕ እትግዛእ ኩሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዮርዳኖስ አንተ ተሳጊሮምሲ ድሕርቲ ትምለሱ ኣብ አግዚኣብሄር ኣብ አስራኤልን ከኣ ብዘይ በደል ትኹኑ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ። ካህን ኣሮን ከኣ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ናብ ከረን ሆር ደየበ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት ኣብ ሓምሰይቲ ወርሒ ኣብታ ወርሒ ኸኣ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣብኡ ሞተ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘንበሮ ሕጊ እዚ እዩ። አግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን ሽዑ ግና ኹራ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ደኣ ኣብ ልፅሊ አቲ ሰብኣይ እቲ ይተክኸ እቲ ኣብዚ መጽሓፍ አዚ ተጽሒፉ ዘሎ ኹሉ መርገም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር እግዚኣብሄር ከኣ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ኪድምስሶ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ አዚ ተጽሒፉ ዘሎ ኹሉ መርገም ኪዳን ካብ ኩሎም ነገድ አስራኤል ናብ ከፉአ ኪፈልዮ እዩ። እዚ ኣብ ማይ መሪባ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ሲን ኣብ ማአከል ደቂ እስራኤል ስለ ዝዓመጽኩምን ኣብ ማእከል ደቂ አስራኤል ከኣ ስለ ዘይቀደስኩምኒ እዩ። እግዚአብሄር ኣምላኸኩም ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ እሞ ምስ ሰማፅናዮ ልብና መኸከ ኣብ ቅድሜኹም ድማ ትንፋስ ኣብ ሰብ ኣይቄመትን ሕጂ ኸኣ በጃኹም ኣነ ምሕረት ካብ ገበርኩልኩም ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ከትገብሩላ ነቦይን ነደይን ነሕዋተይን ንኣሓተይን ዘለዎም ኩሉ ድማ ብህይወቶም ከትሐድግዎም ነፍሳትናውን ካብ ሞት ከተድሕኑ ብእግዚኣብሄር ምሐሉለይ ርግጽ ምልከት ከኣ ሀቡኒ። አዚ ኣብ ማእከልኩም ንምልክት ኪኸውን እዩ ደቕኹም ብዚመጽእ ጊዜ እዚ ኣእማን እዚ ንምንታይ እዩ ኢሎም ምስ ዚጥይቹኹም ሽዑ ንስኻትኩም ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት አግዚኣብሄር ስለ ዘቋረጸ ብዮርዳኖስ ከሳገር ከሎ አቲ ማይ ዮርዳኖስ ኣቋረጸ አሞ አዚ ኣእማን እዚ ንደቂ አስራኤል ንዘለኣለም ንመዘከርታ እዩ ትብልዎም ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ እያሱ ዝኣዘዞም ከምኡ ገበሩ ከምቲ አግዚኣብሄር ንእያሱ ዝበሎ ድማ ብኞጽሪ ነገዳት ደቂ አስራኤል ካብ ማአከል ዮርዳኖስ ዓሰርተው ከልተ እምኒ ኣልዐሉ ናብቲ ዝሓድሩሉ ድማ ምስኦም ተማልእዎዖ ኣብኡ ኸኣ ኣንበርዎ አያሱ ድማ ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ዝቼማላ ቦታ ዓሰርተው ከልተ እምኒ ኣቼመ ከሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብኣ ኣሎ። ምዕራፍ ኩነ ኸኣ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ኹሎም ነገስታት ኣሞራውያንን አቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነኣናውያንን አግዚኣብሄር ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ከሳዕ እንሳገሮ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀጾ ምስ ሰምዑ ልቦም መኸኸ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ ትንፋስ አይተረፈቶምን በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንእያሱ በሊሕ ጽልጽለ ጌርካ ከም ብሓድሽ ንደቂ እስራኤል ካልኣይ ሳዕ ግዘሮም በሎ። እቲ እያሱ ዝገዘሮም ምኽንያቱ እዚ እዩ እቲ ኻብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ ተባዕትዮ ዘበሉ ኹሎም ተዋጋእቲ ኻብ ግብጺ ወጺኦምሲ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ ሞቱ አቶም ዝወጹ ህዝብስ ኩሎም ግዙራት ነይሮም እቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ አተወልዱ ኹሎም ህዝቢ ግና ኣይተገዝሩን ነበሩ ደቂ አስራኤል ቫሉ አቲ ህዝቢ እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ተዋጋእቲ ሰብኡት ንቓል አግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ ከሳዕ ዚወድኡ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጓዕዙ። ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጊልጋል ናብ እያሱ ቐረቡ ካሌብ ወዲ የፋነ እቲ ቀኔዛዊ ከኣ በሎ እግዚኣብሄር ንሙሴ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ቃዴስባርኔዓ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኽ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ነታ ምድሪ ኸስሊ ካብ ቃዴስባርኔዓ ኺሰደኒ ኸሎ መጽሓፍ ኢያሱ ወልደ ነዌ ምዕራፍ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ አሞ ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ። እቲ ኻህን ኣልኣዛርን አያሱ ወዲ ነዌን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ኣብ ሺሎ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኹይኖም ብዕጭ ዝመቐልዎ ርስትታት እዚ እዩ ምምቃል አታ ምድሪ ኸኣ ወድኡ ምዕራፍ እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም እቲ ብዘይ ሓሳብ ከይፈለጠ ነፍሲ ዝቐተለ ቐታሊ ናብኤን ኪሀድም እሞ ካብ ፈዳይ ደም መዕቄቢ ኪኹናኹም አተን ብሙሴ ዝበልኩኹም ከተማታት መዕቄቢ ንኣኻትኩም ፍለይወን ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን ይህደም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸኣ እቲ ነገሩ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ እቲኣ ኺሰምዕዎ ይንገሮም ናብታ ኸተማ ናባታቶም ይቀበልዎ ምሳታቶም ዚነብረላ ቦታ ድማ ይሀብዎ። እምበኣርሲ ኣብ ገሊላ ኣብ ከረን ንፍታሌም ቄዴስ ኣብ ከረን ኤፍሬም ድማ ሴኬም ኣብ ከረን ይሁዳ ኸኣ ቂርያትኣርባ ንሳ ድማ ኬብሮን ፈለዩካብ ነገድ ሮቤል ከኣ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ምብራቕ ያሪኮ አታ ኣብ በረኻ ኣብ ጐልጐል ዘላ ቤጸር ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ራሞት ካብ ነገድ ምናሴውን አታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ፈለዩ። ንሱ ድማ ኣየ ጐይታይ አንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ አቲ ድኻ እዩ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንአሽቶ እየ ንእስራኤል ደኣ ብምንታይ ከድሕኖ እየ በሎ። ሕጂ ኸኣ ካብ ባላቅ ወዲ ጺይር ንጉስ ሞኣብዶ ንስኻ ትበልጽ ኢኻ ንሱ ምስ አስራኤልዶ ተባኢሱ ወይ ምስኦም ተዋጊኡ እዩ እስራኤል ኣብ ሔስቦንን ኣብ ዓድታታን ኣብ ዓሮዔርን ኣብ ዓድታታን ኣብ ጥቓ ኣርኖን ዘለዋ ኹለን ከተማታትን ሰለስተ ሚአቲ ዓመት ተቐሚጡ ኸሎ ደኣ ስለምንታይ በቲ ዘበን እቲ ዘይወሰድኩምዎ አነስ ኣይበደልኩኻን ንስኻ ግና ንኣይ ብምውጋእካ ኸፉእ ትገብረኒ ኣሎኻ እቲ ፈራዲ እግዚኣብሄር ደአ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ኣብ መንጎ ደቂ ዓሞንን ሎሚ ይፍረድ። ምዕራፍ ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከፉእ ገበሩ እግዚኣብሄር ከኣ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሀቦም። ንሱ ኸኣ ኣነ እየ በሎ። ኣታ አግዚኣብሄር ኣምላኸ አስራኤል ሎሚ ኻብ አስራኤል ሓደ ነገድ ኪጐድልሲ እዚ ስለምንታይ እዩ ኣብ እስራኤል ዝኹነ ድማ በሉ። ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብ ኤሊ መጺኡ በሎ አግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሉሎ እቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ቤት ፈርኦን ከለዉ ንቤት ኣቦኻ ብርግጽዶ ኣይተገለጽኩላን እየ ካህነይ ኩይኑ ኣብ መሰውእየይ ደዩቡ ዕጣን ኪዐጥን ኣብ ቅድመይውን ኤፎድ ኪጸውር ኢለ ኻብ ኩሎም ነገድ አእስራኤልዶ ንኣይ ሐርየዮ ኣይኩንኩን ኩሉ ናይ ደቂ አስራኤል መስዋእቲ ሓዊኸ ንቤት ኣቦኻዶ ሂበዮ ኣይኩንኩን ነቲ ኣብ ማሕደረይ ኪቕረብ ዝአዘዝኩ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ደኣ ስለምንታይ ኢኹም አትረግጽዎ ዘሎኹም ካብ ሉ እቲ መስዋእቲ ህዝበይ እስራኤል በብሉጹ በሊዕኩም ምእንቲ ኸትሰብሑስ ከመይ ኢልካኸ ኻብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኸበርካ ስለዚ አግዚኣብሄር ኣምላኽ አስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ ብርግጽ ኢለዮም ነበርኩ ሕጂ ግና ኣነስ ነቶም ዜኸበሩኒ ኤኸብሮም እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሐስሩ አዮም እሞ እዝስ ካባይ ይርሐቕ ይብል እግዚኣብሄር። ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረአዮ ኸኣ እግዚኣብሄር እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ ኣብ ይ መጽሓፍ ሳሙኤል ምዕራፍ ልዕሊ ህዝበይ ዚገዝእ እዚ እዩ በሉ ሳኦል ከኣ ኣብ ማእከል አቲ ደገ ናብ ሳሙኤል ቀሪቡ ቤት አቲ ረአይስ ኣበይ እዩ ዘሎ በጃኻ ንገረኒ በሎ። ብዘለዉ አቶም ህዝቢ ድማ ናብ ጊልጋል ከዱ ኣብኣ ኸኣ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጊልጋል ኣንገስዎ ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡ ኣብኣ ኸኣ ሳኦልን ኩሎም ሰባት አስራኤልን ብዙሕ ተሐጐሱ። ከልተ ዓመት ኣብ ልዕሊ አስራኤል ምስ ነገሰ ድማ ሳኦል ካብ አስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ሐረየ ከልተ ሽሕ ምስ ሳኦል ኣብ ሚኸማሽሸን ኣብ ከረን ቤትኤልን ነበሩ ሓደ ሽሕ ከኣ ምስ ዮናታን ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ነበሩ። ኩሉ ህዝቢ ኸኣ እንጌራ ኣይጠዐመን ኩሉ ህዝቢ አታ ሃገር ድማ ናብ ዱር መጸ መዓር ከኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ነበረ። ንጽብሒቱ ድማ ኹነ ካብ ኣምላኽ ከፉአ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጸ ኣብ ማእከል ቤት ከኣ ተነበየ ዳዊት ድማ ከም ኩሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። እቲ ኸፉእ መንፈስ ድማ ካብ አግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጸ ንሱ ኹናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። ዳዊት ግና መሊሱ ኣቦኻ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ ኣጸቢቐ ይፈልጥ እዩ ስለዚ ኸኣ ዮናታን ምእንቲ ኸይጐሂ እዚ ኣይፍለጥ ይብል ግናኸ ህያው አግዚኣብሄር እዩ ነፍስኻ ድማ ህያው እያ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጉምቲ ጥራይ ከም ዘሎ ርግጽ እዩ ኢሉ መሐለ ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ነፍስኻ ዝደለየቶ ዘበለ ኸገብረልካ እየ በሉ። ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ ደዩቦም ከምዚ በሉ ዳዊት ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ እምባታት ኣብ ልዕሊ እቲ ብደቡብ በረኻ ዘሎ ኹርባ ሓኪላ ተሐቢኡዶ ኣየሎን ሕጂ ኸኣ ዎ ንጉስ ምውራድሲ ከምቲ ኹሉ ድላይ ነፍስኻ ውረድ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፍካ ምሃብ ግና ናትና እዩ ሳኦል ድማ በለ ስለ ዝደንገጽኩምለይ ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም ንሱ ኣዝዩ ጎራሕ ከም ዝኾነ ነጊሮምኒ አዮም አእሞ በጃኹም ኬድኩም እግሩ ኣብ ኣየናይ ቦታ ኸም ዝረገጸት ኣብኣ ኸኣ መን ከም ዝረኣዩ መሊስኩም ኣርጊጽኩም ፍለጡን ርእኣዩን አቲ ንሱ ዚሕብኣሉ ዘበለ መሕቢኢታት ርኢኹም ከኣ ፍለጡ እቲ ነገሩ ምስ ኣርገጽኩምዎ ድማ ናባይ ተመለሱ እአሞ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ ኪኸውን ድማ እዩ ኣብታ ሃገር አንተሎ ኣብ ሎም ኣሽሓት ይሁዳ ኺደልዮ እየ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ ዳዊትን ሰቡን ግና ኣብ በረኻ ማዖን ነቲ በረኻ ብወገን ደቡቡ ኣብ ዘሎ ጎልጎል ነበሩ ሳኦልን ሰቡን ድማ ኪደልይዎ ኸፋ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸኣ ናብቲ ኸውሒ ወሪዱ ኣብ በረኻ ማዖን ተቐመጠ ሳኦል ድማ እዚ ምስ ሰምዔ ደድሕሪ ዳዊት ናብ በረኻ ማዖን ሰዓበ ሳኦል ከኣ ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ ዳዊትን ሰቡን ድማ ነቲ ኸረን በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸፋ ሳኦልን ሰቡን ንዳዊትን ሰቡን ኪሕዝዎም ከቢቦምዎ ነበሩ አሞ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ህደመ ሽዑ ልኡኸ ናብ ሳኦል መጺኡ ነዛ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣትዮምዋ ኣለዉ እሞ ቀልጢፍካ ንዓ በሎ ሳኦል ድማ ደድሕሪ ዳዊት ካብ ምስዓብ ተመልሰ ንፍልስጥኤማውያን ኪቃባበሎም ከደ ስለዚ ኸኣ ነታ ቦታ ሴላዕማሕልቆት ኢሎም ሰመይዋ ይ መጽሓፍ ሳሙኤል ምዕራፍ ምዕራፍ ዳዊት ድማ ካብኡ ደዩቡ ኣብ ጽኑዕ ቦታታት ዔንገዲ ተቐመጠ ኮነ ኸኣ ሳኦል ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ምስ ተመልሰ እንሆ ዳዊት ኣብ በረኻ ዔንገዲ ኣሎ ኢሎም ነገርዎ ሽዑ ሳኦል ካብ ብዘሎ አስራኤል እተሓረዩ ሰለስተ ሸሕ ሰብኣይ ወሲዱ ንዳዊትን ሰቡን ኣብ ኣኻውሕ ጤለበዱ ኺደልይዎ ከደ። እቲ ምቕታል ኣብኔር ወዲ ኔር ካብ ንጉስ ከም ዘይኩነ ብዘሎ እቲ ህዝብን ብዘሎ እስራኤልን በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ ንጉስ ድማ ነቶም ገላዉኡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዬ ሰብን ከም ዝወደቐዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም ኣነ ኸኣ ምንም እኳ ንጉስ ከኸውን አንተ ተቐባእኩ ድኹም እየ እዞም ሰባት አዚኦም ደቂ ጽሩያ ድማ በርቲዖምኒ እዮም። ኩሎም ዓበይቲ አስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ኬብሮን መጹ ንጉስ ዳዊት ከኣ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ አግዚኣብሄር ምሳታቶም ኪዳን አተወ። ምዕራፍ ኩነ ድማ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ እግዚኣብሄር ከኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ኹሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ እቲ ንጉስ ንነብዩ ናታን ርኤማ በጃኻ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ኸነብር ከሎኹስ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ድንኳን ዓለባታት ተቐሚጡ ኣሎ በሉ። ኩነ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ናታን መጺኡ ከምዚ በለኪድ ንባርያይ ዳዊት አግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ በሎ ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ከትሰርሓለይ ኢኻ ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእአኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኸሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደአ እከይድ ነበርከ አምበር ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን ኣብቲ ምስ ኩሎም ደቂ አስራኤል ንህዝበይ ንአስራኤል ኪጓሲ ንዝአዘዝከዎስ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ ኢለዶ ተዛረብኩ ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ ይ መጽሓፍ ሳሙኤል ምዕራፍ አግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ኣብ ልዕሊ አስራኤል መስፍን ከትከውን ካብ ምቱሳይካ ካብ ድሕሪ አተን ኣባጊዕ አምጻእኩኻ። ነቲ ልኡኸ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ አቲ ናይ ውግእ ነገር ኩሉ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእካ ሽዑ ኪኸውን እዩ ንጉስ ኩርዩ አንተ በለካ ስለምንታይከ ኸትዋግኡ ኢልኩም ናብታ ኸተማ ቐረብኩም ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ከም ዚውርወሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም አቲ ኣብ ቴቤጽ ዝሞተ ኣቢሜለክ ወዲ የሩበሼት መን እዩ ዝቐተሎ ሰበይቲ ደይኩነትን ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ይ መጽሓፍ ሳሙኤል ምዕራፍ ዝደርበየትሉ ስለምንታይ ናብ መንደቕ ቀረብኩም ሽዑ ንስኻ ድማ ጊልያኻ ኡርያ አቲ ሔታዊ ኸኣ ሞይቱ በሎ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ንአስራኤል ኪቃባበሎ ናብ መሮር ወጸ አቲ ውግአ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኩነ አብኡ ኸኣ እቶም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳፅሩ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ናብ ዕስራ ሽሕ ዚአከል ብርቱዕ ጥፍኣት ኩነኣብኡ ኸኣ እቲ ውግእ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ፋሕ በለ። እንሆ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ ኢሎም ንብዘሎ ህዝቢ ነገርዎ ኩሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጸ። አቲ ንጉስ ግና ንመፊቦሸት ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኦም ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ማሕላ አግዚኣብሄር ኢሉ ነሐፎ ንጉስ ግና ነቶም ከልተ ደቂ ሪጽጳ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሉ ኣርሞንን መፊቦሸትን ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ሚሜካል ጓል ሳኦል ንዓድርኤል ወዲ ባርዚላይ መሖላታዊ ዝወለደትሉ ኸኣ ወሰዶም ኣብ ኢድ ጊብዖናውያን ድማ ኣወፈዮም ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ አግዚኣብሄር ሰቐልዎም ሾብዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቹቼ በቲ ዓጺድ ስገም ዚጅመረሉ ኸኣ ብጊዜ ቐውዒ ሞቱ ሪጽጳ ጓል ኣያ ድማ ማቕ ወሲዳ ንርእሳ አብ ከውሒ ኣንጸፈት ይ መጽሓፍ ሳሙኤል ምዕራፍ ካብ መጀመርታ ቐውዒ ካብ ሰማይ ዝናም ከሳዕ ዚዘንሞም ከኣ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማይ ብለይቲ ድማ ኣራዊት መሮር ኪዐርፉሎም ኣይሐደገቶምን እቲ ሪጽጳ ጳል ኣያ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል ዝገበረቶ ኸኣ ንዳዊት ነገርዎ። ብድሕሪኡ ኸኣ ኣልኣዛር ወዲ ዶዶ ወዲ ሓደ ኣሖሓዊ ንሱ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ እየ ንሳቶም ነቶም ኪዋግኡ ኣብኡ አተአከቡ ፍልስጥኤማውያን ምስ ኣላገጹሎም እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ምስ ኣድሓርሐሩ ንሱ ግና ተንሲኡ ኢዱ ኸሳዕ እትድንዝዝ ኢዱ ኣብታ ሴፍ ከሳዕ አትለግብ ድማ ንፍልስጥኤማውያን ቀተሎም እግዚኣብሄር ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዩ ምድሓን ገበረ። እቲ ንጉስ ድማ ከምዚ ኢሉ መሐለ እቲ ንነፍሰይ ካብ ኩሱ ጸበባ ዘድሓነ እግዚኣብሄር ህያው እዩ ከምቲ ሰሎሞን ወድኺ ብድሕረይ ኪነግስ ንሱ ድማ ኣብ ከንዳይ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምላኸ እስራኤል ዝመሐልኩልኪ ሎሚ መዓልቲ ኸምኡ ኸገብር እየ ሽዑ ባትሴባ ድንን ኢላ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፈኣ ንንጉስ ኢድ ነሲኣ ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለአለም ህያው ይኹን በለት። መለኸት እናነፋሕኩም ድማ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን በሉ ድሕሪኡ ስዒብኩም ከኣ ደይቡ መጺኡ ድማ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥ ንሱ ኸኣ ኣብ ከንዳይ ይንገስ ንእኡ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን መስፍን ኪኸውን ኣዚዘ እየ። ንጉስ ከኣ ንኻህን ኣብያታር ንስኻ ሞት ዚግብኣካ ሰብ ኢኻ ግናኸ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኸ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝጾርካ ኣብ ኩሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ ሎሚ ኣይቐትለካን እየ አሞ ናብ ግራውትኻ ናብ ዓናቶት ኪድ በሉ በዚ ኸምዚ አግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ኤሊ ኣብ ሺሎ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም ሰሎሞን ንኣብያታር ካህን እግዚኣብሄር ካብ ምኺን ሰዐርሮ። በዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተዛራረባ ሽዑ አቲ ንጉስ እዚኣ አዚ ህያው ወደይ እዩ እቲ ምዉት ከኣ ወድኺ እዩ ትብል ኣላ እዚ ኣ ኸኣ ኣይፋል አቲ ምዉት ወድኺ እዚ ህያው ግና ወደይ እዩ ትብል ኣላ በለ አቲ ንጉስ ድማ ሴፍ አሞ ኣምጽኡለይ በለ። አብቲ ታቦት ብጀካ አተን ሙሴ ኣብ ሆሬብ ናብኡ ዘአተወን ከልተ ጽላት እምኒ ገለ ኻልእ ኣይነበረ እዚ ኸኣ በቲ አግዚኣብሄር ምስ ደቂ አስራኤል ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጽ ምስ ወጹ ኪዳን ዝአተወሉ ጊዜ ኹጎነ ኩነ ድማ እቶም ከህናት ካብ መቕደስ ምስ ወጹ ነቲ ቤት አግዚኣብሄር ደበና መልአ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ከብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ነበረ አሞ አቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከአሉን ሽዑ ሰሎሞን እግዚኣብሄር ኣብ ጣቓ ኸም ዚነብር ኢሉ ኣሉ። ሰሎሞን ድማ ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ መሰውኢ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ የዕርግ ነበረ ምስኡ ኸኣ ዕጣን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ዐጠነ ነታ ቤት ድማ ፈጸማ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤዶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔጽዮንጋበር መራኸብ ሰርሔ። ምዕራፍ ብዘሎ አስራኤል ንሮብዓም ኬንግሶ ናብ ሴኬም መጺኡ ነበረ አሞ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ከደ ኩነ ኸኣ የሮብዓም ወዲ ናባጥ አዚ ምስ ሰምዔ ንሱ ገና ኣብ ግብጺ ኣብቲ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዝሀደሞ ነበረ እሞ የሮብዓም ኣብ ግብጺ ይቕመጥ ነበረ። ግናኸ ናብ ሸማዕያ ናይ ኣምላኸ ሰብ ከምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ መጸ የሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞንን ንብዘላ ቤት ይሁዳን ንብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝቢውን ከምዚ በሎም እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ እዚ ነገር እዚ ኻባይ አዩ እሞ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትደይኑ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ ንሳቶም ከኣ ቃል አግዚኣብሄር ሰሚዖም ከምቲ ዘረባ አግዚኣብሄር ተመሊሶም ከዱ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ምልክት ሀበ አቲ እግዚኣብሄር አተዛረቦ ምልከት እዚ እዩ እንሆ እቲ መሰውኢ ኺነቅዕ እዩ አቲ ኣብ ልፅሲኡ ዘሎ ሓመኹስቲ ኸኣ ፋሕ ኪብል እዩ ኩነ ድማ እቲ ንጉስ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ልዕሊ አቲ ኣብ ቤትኤል ዘሎ መሰውኢ ዝጨደሮ ነገር ምስ ሰምዔ የሮብዓም ካብቲ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሔሑ ሓዝዎ በለ። ደድሕሪ አቲ ናይ ኣምላኸ ሰብ ድማ ኸደ ኣብ ትሕቲ ድዋ ተቐሚጡ ኸኣ ረኸቦ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኸ ሰብ ንስኻ ይ መጽሓፍ ነገስት ምዕራፍ ዲኻ ድማ በሎ ንሱ ኸኣ እወ ኣነ እየ በለ። ምስ ከደ ኸኣ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሉ ሬሳኡ ድማ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ነበረ አቲ ኣድጊ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ነበረ። ምዕራፍ ንየሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ ኣነ ኻብ ሓመድ ኣልዒለስ ኣብ ልፅሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ገይረካ ኸነሰይ ንስኻ ግና ብመገዲ የሮብዓም ብምኻድካ ንህዝበይ እስራኤል ብሓጢኣቶም ኬኹርዩኒ ስለ ዘስሐትካዮም አንሆ ንባፅሳን ንቤቱን ንንየው ከጸርጎም እየ ንቤትካ ድማ ከም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ከገብራ እየ ካብ ባዕሳ ነቲ ኣብ ከተማ ዝሞተ ኣኸላባት ኪበልዕዎ እዮም ነቲ ኣብ መሮር ዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪበልዓአ እየን ኝ እቲ ዝተረፈ ናይ ባዕሳ ነገርን እቲ ዝገበሮን አቲ መንፍዓቱን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ባፅሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ ኣብ ቲርጻውን ተቐብረ ኣብ ክንዳኡ ከኣ ወዱ ኤላ ነገሰ። እቲ ንጉስ አስራኤል ከኣ። ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኸ ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ አግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ እቶም ሶርያውያን አግዚኣብሄር ኣምላኸ ኣኽራን እዩ አምበር ንሱ ኣምላኸ ጐልጐል ኣይኩነን ስለ ዝበሉ ስለዚ ብዘሎ እዚ ዓብዩ ኣኬባ እዚ ኣብ ኢድካ ኸህበካ እየ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኹንኩ ኸኣ ከትፈልጡ ኢኹም። ነቲ ንጉስ ድማ በሎ አግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ ነቲ ዝሐረምከዎ ሰብአይ ካብ ኢድካ ስለ ዝሰደድካዮ ኣብ ከንዲ ነፍሱ ነፍስኻ ኣብ ከንዲ ህዝቡ ኸኣ ህዝብኻ ይኹን እቲ ንጉስ አስራኤል ድማ ጐህዩ ተቼጢዑ ናብ ቤቱ ኸደ ናብ ሰማርያ ኸኣ መጸ። ንሱ ኸኣ ደይብ ኪቐንዓካ ድማ እዩ አግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህበ እዩ በሎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ አቲ ውግእ በርትዔ እቲ ንጉስ ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውያን ኩይኑ ኣብ ሰረገላኡ ደው ኢሉ ነበረ ምሸት ድማ ሞተ። ኣብ ከንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም ነገሰ አሃዝያ ወዲ ኣከአብ ድማ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾቦኣተ ዓመቱ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ አስራኤል ነገሰ እሞ ከልተ ዓመት ኣብ እስራኤል ገዝኤ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበ አንሆ ኸኣ ንሱ ኣብ ርአሲ ኸረን ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ እቲ ንጉስ ውረድ ይብለካ ኣሎ በሎ ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ኹይነስ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላፅኩም ኢሉ መለሰሉ ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንአኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖም። እቲ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ውግእ ከም ዝበርትዖ ምስ ረአየ ጥሒሱ ናብ ንጉስ ኤዶም ኪሐልፍ ሾብዓተ ሚእቲ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ወሰደ ግናኸ ኣይከአሉን ሽዑ ነቲ ኣብ ከንዳኡ ዚነግስ በኹሪ ወዱ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጎ ኣብ ልፅሊ አስራኤል ከኣ ብርቱፅ ኩራ ኹነ እሞ ካብኡ ረሐቹ ናብ ሃገሮም ድማ ተመልሱ። ንሱ ድማ። ናብታ ቤት ኣትዩ ኸኣ ድሕሪ ኸልቲኦም ነቶ ማዕጾ ሸጐሮ ኣብ አግዚኣብሄር ከኣ ለመነ ደዬቡ ድማ ኣብ ልዕሲ እቲ ቹቼልዓ በጥ በለ ኣፉ ኸኣ ኣብ ኣፉ ዓይኑ ድማ ኣብ ዓይኑ ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ እሞ ኣብ ልዕሊኡ ተዘርግሔ ስጋ እቲ ቼልዓ ኸኣ ሞቐ። ገላውኡ ግና ቅርብ ኢሎም ኣቦየ እዚ ነብዩ ጽኑዕ ነገር እንተ ዚዛረበካስ ኣይምገበርካዮንዶ ተሐጸብ እሞ ጽረ እንተ በለካ ግዳ ኸመይ ኢሎም ተዛረብዎ ሽዑ ወረዱ ከም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ሳዕ ጠሐለ ስጋኡ ኸኣ ከም ስጋ ንእሽቶ ቼልዓ ኹይኑ ተመልሶ ጸረየውን ሽዑ ንሱ ምስ ብዘሎ ጭፍራኡ ተመሊሱ ናብቲ ናይ ኣምላኸ ሰብ መጾ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ አንሆ ሕጂስ ብጀካ ኣብ አስራኤል ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣምላኽ ከምዜልቦ ፈለጥኩ ሕጂ ኸኣ በጃኻ ካብ ጊልያኻ ገጽ በረኸት ተቐበል በለ። እቲ ንጉስ ኣብ ኢዱ ዚኾኮዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንሆ አግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መሳኹቲ አንተ ዚገብርሲ እዚ ነገር አዚ ይኸውንዶ። አቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኣብ ኢዱ ዚጐዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ነቲ ደገ ኺሕሉ ኣቼሞ ግናኸ ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ እተዛረቦ ቓል እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎ ሞተ ኸኣ። ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኸ ሰብ ንንጉስ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ኸልተ መስፈሪ ስገም ብሲቃል ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ድማ ብሲቃል ኪሸመት እዩ ኢሉ እተዛረቦ ኸኣ ኹነ አቲ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኸ ይ መጽሓፍ ነገስት ምዕራፍ ሰብ እንሆ ኸኣ አግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መስኩት እንተ ኸፈተ እኳ ከምዚ ነገር አዚ ዝበለዶ ይኸውን ኢሉ መሊሱ ነበረ። ተንሲኡ ድማ ናብ ቤት ኣተወ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሱ ኸኣ አግዚኣብሄር ኣምላኸ አስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣብ አስራኤል ከትነግስ ቀቢኤካ ኣሎኹ። ዮአስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ እቲ ኣቦታቱ ዮሳፋጥን ዮራምን ኣሓዝያን ነገስታት ይሁዳ ዝቐደስዎ ኹሉ ቅዱስ ነገርን ንሱ ዝቐደሶን ድማ ኣብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ናይ ቤተ ንጉስን እተረኸበ ኹሉ ወርቅን ወሲዱ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ ንሱ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ተመልሰ አቲ ዝተረፈ ናይ ዮአስ ነገርን ኩሉ ዝገበሮን ድማ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ንዮኣስ ድማ ገላዉኡ ተንሲኦም ማሕላ ተማሓሓሉሉ ኣብታ ኣብ መውረዲት ሲላ ዘላ ቤት ሚሎ ኸኣ ቀተልዎ እቶም ገላዉኡ ዮዛካር ወዲ ሺምዓትን ዮዛባድ ወዲ ሾሜርን ኩይኖም ወቕዕዎ ሞተ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣማስያ ነገር ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ አየሎን አብ የሩሳሌም ድማ ማሕላ ተማሓሐሉ ንሱ ኸኣ ናብ ላኪሽ ሀደመ ደድሕሪኡ ዳ ናብ ላኪሽ ሰደዱ ኣብኡውን ቀተልዎ ኣብ ኣፍራስ ከኣ ሰቐልዎ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ተቐብረ። ምስኡ ድማ ካብ ደቂ ጊልዓዳውን ሓምሳ ሰብ ነበሩ ንእኡ ቐቲሉ ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ አቲ ዝተረፈ ናይ ጴቃሕያ ነገርን ኩሉ እቲ ዝገበሮን ንሱ እንሆ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት አስራኤል ይ መጽሓፍ ነገስት ምዕራፍ ተጽሒፉ ኣሎ ንአዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሓምሳን ከልተን ዓመቱ ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ ዕስራ ዓመት ድማ ገዝኤ። አቲ ንጉስ ካብ ደማስቆ ምስ መጸ ድማ እቲ ንጉስ ነቲ መሰውኢ ረአዮ እቲ ንጉስ ናብቲ መሰውኢ ቐሪቡ ከኣ ናብኡ ደየበ ይ መጽሓፍ ነገስት ምዕራፍ ነቲ ዚሐርር መስዋእቱን ነቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ድማ ኣሕረረ ናይ መስተ መስዋእቱውን ኣፍሰሰ ደም እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ነጸገ ነቲ ኣብ ቅድሚ አግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ድማ ካብ ቅድሚ እታ ቤት ካብ መንጎ አቲ መሰውኢኡን ቤት እግዚኣብሄርን ወሲዱ ብወገን ሰሜን እቲ መሰውኢ ኣቐመጦ። ሽዑ አግዚኣብሄር ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ ምናሴ ንጉስ ይሁዳ እዚ ጽያፋት እዚ ስለ ዝገበረን ካብቲ አቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዚኸፍእአ ስለ ዝገበረን ንይሁዳ ድማ ብጣአታቱ ስለ ዘሕጥኦም ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ አስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እንሆ ንዝሰምዖ ዘበለ ኣብ ከልቲኤን አዝኑ ዱድ ከሳዕ ዚብሎ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ይሁዳን ከፉእ ይ መጽሓፍ ነገስት ምዕራፍ ነገር ከምጽእ እየ እቲ ገመድ ሰማርያን እቲ ሚዛን ቤት ኣከኣብን ድማ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ከዝርግሖ እየ ጻሕሊ ኸም ዚሕጸብ ሐጺብካ ብኣፉ ኸም ኣትደፍኦ ንየሩሳሌም ድማ ከሐጽባ እየ። ንሳቶም ድማ ነቲ ነገር ናብ ንጉስ መለስዎ ምዕራፍ ሽዑ አቲ ንጉስ ልኡኻት ሰደደ ንኹሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ናብኡ ኣከብዎም እቲ ንጉስን ምስኡ ኸኣ ኩሎም ሰብ ይሁዳን ኩሎም ኣብ የሩሳሌምን ዚነብሩን ካህናትን ነብያትን ብዘሎ ህዝቢ ድማ ካብ ንእሽቶ ኸሳዕ ዓብዩ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። አቲ ዝተረፈ ናይ ዮያቂም ነገርን እቲ ዝገበሮ ኹሉን ከኣ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎንዮያቂም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮያኪን ነገሰ ነቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ዘበለ ካብ ርባ ግብጺ ጀሚሩ ኸሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ ንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረ አሞ ድሕርዚ እቲ ንጉስ ግብጺ ኻብ ሃገሩ መሊሱ ኣይወጸን ዮያኪን ኪነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ነበረ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤ። ኩሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ሔብሮን መጹ ዳዊት ከኣ ኣብ ሔብሮን ኣብ ቅድሚ አግዚኣብሄር ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ። ምዕራፍ ኩነ ድማ ዳዊት ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ ዳዊት ንነብዩ ናታን እንሆ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ተቐሚጠ ኣሎኹ ታቦት ኪዳን አግዚኣብሄር ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት ኣሎ በሉ። ኪኸውን ከኣ እዩ መዓልትታትካ ምስ መልኣ ናብ ኣቦታትካውን ምስ ከድካ ብድሕሬኻ ነቲ ካብ ደቅኻ ዚኸውን ዘርአኻ ልዕል ከብሎ እየ መንግስቱ ድማ ከጽንዓ እየ ንሱ ንኣይ ቤት ኪሰርሓለይ እዩ ኣነ ኸኣ ዝፋኑ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ አነ ኣቦ ከኹኖ እየ ንሱ ድማ ወዲ ኪኹነኢ እዩ። ግናኸ ከምዚ ዚብል ቃል አግዚኣብሄር ናባይ መጸ ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ ዓበይቲ ውግእ ከኣ ተዋጊእካ ኢኻ አምበኣርሲ ኣብ ቅድመይ ብዙሕ ደም ኣብ ምድሪ ስለ ዘፍሰስካ ንስመይ ቤት ኣይከትሰርሓሉን ኢኻ እንሆ ንኣኻ ወዲ ኺውለደልካ እዩ ንሱ ህዱእ ሰብ ኪኸውን እዩ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ዘለው ኹሎም ጸላእቱ ድማ ህድኣት ክህቦ እየ። ዳዊት ኢሉ እዩ እሞ አግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ኣዕሪፍዎ እዩ ከሳዕ ዘለኣለም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ይነብር ኣሎ። ግናኸ ንይኑዳ መስፍን ኪኸውን ሐረዮ ኣብ ቤት ይሁዳውን ቤት ኣቦይ ኣብ መንጎ እቶም ደቂ ኣቦይ ከኣ ንኣይ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ አስራኤል ኬንግሱኒ ብሂጉ እዩ እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣይ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሊ አስራኤል ንጉስ ከኸውን ካብ ብዘላ ቤት ኣቦይ ሐረየኒ። ምዕራፍ ንዓዛርያ ወዲ ዖዴድ ከኣ መንፈስ ኣምላኸ ኣብ ልዕሊኡ መጾ ኣብ ቅድሚ ኣሳ ወጺኡ ድማ በሎ ኣታ ኣሳን ብዘሎኹም ይሁዳን ብንያምን ስምዑኒ ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ትኹኑስ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እንተ ደሌኹምዎ ድማ ይርከበልኩም እዩ ንስኻትኩም እንተ ሓደግኩምዎ ግና ይ መጽሓፍ ዜና መዋዕል ምዕራፍ ንሱ ኸኣ ከሓድገኩም እዩ። ዮሳፋጥ ድማ ኣብታ ናይ ይሁዳን ናይ የሩሳሌምን ማሕበር ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ኣጸድ ደው በለ በለ ኸኣ ዎ አግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ንስኻዶ ኣይኩንካን ኣምላኸ ሰማይ አቲ ንኹለን መንግስትታት ኣህዛብ ዚገዝእ ድማ ኣይንስኻን ዲኻ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ ኪቃወመካ ዚኸእል የልቦን። አቶም ሌዋውያን ግና ኣይቀልጠፉን ሽዑ እቲ ንጉስ ንሊቀ ኻህናት ዮያዳ ጸዊዑ በሎ ስለምንታይ ኢኻ ነቶም ሌዋውያን እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንማሕበር እስራኤል ዝሐገገላ ግብሪ ድንኳን ምስከር ካብ ይሁዳን ካብ የሩሳሌምን ኬምጽኡ ዘይገደድካዮም ነታ ቤት ኣምላኽስ ደቂ ዓታልያ እታ ረሲእ ሰበይቲ ኣበላሽዮምዋ እዮም እቲ ንቤት እግዚኣብሄር አተቐደሰ ዘበለ ኹሉ ድማ ንበዓላት ገይሮምዎ እሮኦም እቲ ንጉስ ድማ ኣዘዘ እሞ ሓደ ሳጹን ገይሮም ኣብ ወጻኢ ኣብ ጥቓ እቲ ደገ ቤት አግዚኣብሄር ኣቐመጥዎ። አብ ልፅሊ እቲ ህዝቢ ድማ ሓላቹ ውግእ ሾመ ናብታ ኣብ ኸተማ ዘላ ገፋሕ ስፍራ ኸኣ ናብኡ ኣከቦም እሞ ከምዚ ኢሉ ንልቦም ተዛረቦ ጽንዑን ትብዑን ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዚ ምሳና ዘሎ ይዐቢ እዩ እሞ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ኹሉ እቲ ምሰኡ ዘሎ ጥፍራን ኣይትፍርሁን ኣትሸበሩን አቲ ምስኡ ዘሎ ቅልጽም ስጋ እዩ እቲ ኺረድኣና ውግእና ኺዋግኣልና ምሳና ዘሎ ግና አግዚኣቢሄር ኣምላኽና እዩ። ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት አግዚኣብሄር ኬኸብር ኢሉ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኸርቱን ኣብ ኩላቶም ሓያላት ሓላቹ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ አግዚኣብሄር ኣምላኸ ኣቦታትና ይመስገን ኣነ ኸአ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ አግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኩ ካብ አስራኤል ድማ ምሳይ ኪድይቡ ሓላቹ መጽሓፍ እዝራ ምዕራፍ አከብኩ። ደቂ ብንያም ከአ ካብ ጌባዕ ኣብ ሚኸማሽሸን ኣብ ዓያን ኣብ ቤትኤልን ኣብ ዓድታታን ተቐመጡ ኣብ ዓናቶት ኣብ ኖብ ኣብ ዓናንያ ኣብ ሓጾር ኣብ ራማ ኣብ ጊታይም ኣብ ሓዲድ ኣብ ጽቦዒም ኣብ ነባላጥ ኣብ ሎድን ኣብ ኦኖን ኣብ ለሰ ጸረብትን። ምዕራፍ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ቓል አዚ እዩ አብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርአሲ ኣኸራን ኪቐውም ኣብ ልዕሊ ኹድኹዶታት ድማ ልዕል ኪብል ኩሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም ሕጊ ኻብ ጽዮን ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና ብመገድታቱ ክንመላለስ ኢና ድማ ኪብሉ እዮም። አግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን ገይሩ ንርኽሰት ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሐጸበ ንደም የሩሳሌም ድማ ካብ ማእከል ምስ ኣጽረየ ኣብ ጽዮን እተሐድገን ኣብ የሩሳሌም ትንቢት ኢሳይያስ ምዕራፍ ዝተረፈን ነፍሲ ወከፍ ኣብ የሩሳሌም ምስ ህያዋን እተጻሕፈ ቅዱስ እዩ ዚበሀለሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ኸብርስ መኸወሊ ኪኸውን እዩ እሞ አግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኹሉ መሳፍሮ አኸራን ጽዮንን ኣብ ልዕሊ ኣኹባታታን ደበናን ትከን ብመዓልቲ ባና ሃልሃል ዚብል ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኺፈጥር እዩ። ካብ ፍርሃት እተላዕለ አምባኡ ኺሐልፍ መሳፍንቱውን ብሰንደቕ ዕላማ ኺፈርሁ እዮም ይብል እቲ ሓው ኣብ ጽዮን እቶኑ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ዘለዎ እግዚኣብሄር ምዕራፍ እንሆ ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ኺገዝኡ እዮም ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ ካብ ህቦብላ ኸም ጻግዒ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ትንቢት ኢሳይያስ ምዕራፍ ጽላል ዓብዩ ኸውሒ ኪኸውን እዩ። ኝ እቲ ሓደ ናይ አግዚኣብሄር እየ ኪብል እዩ እቲ ሓደ ኻልአ ብስም ያአቆብ ኪስመ እዩ እቲ ሓደ ድማ ናይ አግዚኣብሄር ኢሉ ኣብ ኢዱ ኸጽሕፍ እዩ ንስም እስራኤል ድማ ትንቢት ኢሳይያስ ምዕራፍ መጸውዒ ኸብረት ኪገብሮ እዩ። ስምኩም ድማ ኣብቶም ሕሩያተይ ንመራገሚ ኸትሐድጉ ኢኹም አግዚኣብሄር ኣምላኸ ኪቐትለካ እዩ ንባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ኪሰምዮም እዩ አቲ ናይ ቀደም ጸበባ ተረሲዑ ካብ ኣዒንተይ ድማ ተሰዊሩ እዩ እሞ እቲ ንነፍሱ ኣብ ምድሪ ዚባርኸ ብኣምላኽ ሓቂ እዩ ዚባርኸ እቲ ኣብ ምድሪ ዚምሕል ከኣ ብኣምላኽ ሓቂ እዩ ዚምሕል አንሆ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ከፈጥር እየ እሞ እቲ ናይ ቀደም አይኪሕሰብን እዩ። ስለዚ አግዚኣብሄር ኣምላኸ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ አዚ ቓል እዚ ስለ አተዛረብኩም እንሆ ነቲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ ነዚ ህዝቢ ድማ ከም ዕጨይቲ ኸገብሮ እየ አሞ ኪልቐምጾም እዩ። ንየሩሳሌም መኹመር እምንን ሰፈር ወኻሩን ከገብራ ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይነብረን ዑናታት ክገብረን እየ እቲ ነዚ ዜስተውዕሎ ጥበበኛ መን እዩ ነዚ ኺገልጾኸ ኣፍ አግዚኣብሄር ንመን ተዛረቦ እታ ሃገር ሓደ እኳ ዚሐልፋ ዜብላ ኹይና ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍኤትሲ ስለምንታይ እዩ አግዚኣብሄር ከኣ ይብል ነቲ ኣብ ቅድሜኦም ዘንበርከዎ ሕገይ ሐደጉ ድምጸይ ከኣ ኣይሰምዑን ብአኡውን ኣይተመላለሱን ግናኸ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዘስተምሀርዎም ደድሕሪ በዓል ሰዐቡ እሞ ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ አስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እንሆ ኣነ ነዚ ህዝቢ አዚ መሪር ከብልዖ ማይ ስሚ ኸኣ ከስትዮ እየ ኣብ ማእከል አቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም ከሳዕ ዝውድኦም ድማ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ ኣስተብሂልኩም በኸይቲ ኣንስቲ ኺመጻ ጸውዑ እተን ለባማት ኪመጻ ድማ ልኣኹለን። ኩሉ አቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቤት አግዚኣብሄር ኣብ ኤርምያስ ዐጐጐ። አቶም መሳፍንቲ ይሁዳ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ ካብ ቤት ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ ኣብ ኣፍ እታ ሓዳስ ደገ ቤት አግዚኣብሄር ከኣ ተቐመጡ። ኪኸውን ድማ እዩ። ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያ ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ንኹላቶም ጭዋታት ይሁዳን የሩሳሌምን ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ኪማርኾም ከሎ ብዛዕባ እቲ ንጉስ ባቢሎን ዘይወስዶ ኣዕኑድን ባሕርን መናብርን ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፉ ዘሎ ኹሉ ኣቓሑን አግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ አምበኣርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቓሔስ አግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ ናብ ባቢሎን ኪውሰድ ከሳዕ ኣነ ዝዝከሮ መዓልቲ ከኣ ኣብኡ ኸጸንሕ እዩ ናብዚ ስፍራ እዚውን ከውጽኦን ከመልሶን አየ ይብል አግዚኣብሄር። ምዕራፍ ኩነ ድማ በታ ዓመት አቲኣ ብመጀመርታ መንግስቱ ንጹድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ኣብ ሓምሳይ ወርሒ ሃናንያ ወዲ ነብዩ ዓዙር ብዓል ጊብኦን ኣብ ቤት አግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኩሉ ህዝብን ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ አግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኸ አስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ ነቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ሰቢረዮ እየ ። አግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኸ አስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ ካብ ምርኮ ምስ ኣምለስከዎም ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ከተማታትን እቲ መሳፍሮ ጽድቂ እቲ ኸረን ቅድስና አግዚኣብሄር ይባርኸኪ ኢሎም እዚ ቓል እዚ ኸም ብሓድሽ ኪብሉ እዮም። ምዕራፍ አቲ ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኩሉ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ኢዱ ዚግዝኡ ኹሎም መንግስትታት ምድርን ኩሎም ህዝብታትን ምስ የሩስሌምን ምስ ኩለን ከተማታታን ኪዋግኡ ኸለዉ እግዚኣብሄር ኣምላኸ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ ዚብል ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ ናብ ጹድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኹድካ እግዚኣህቤር ከምዚ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ እንሆ ኣነ ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ከውፍያ እየ ንሱውን ብሓዊ ኹንድዳ እዩ። ምዕራፍ ትንቢት ኤርምያስ ምዕራፍ እቲ ብዘመን ዮኣቂም ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ካብ አግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ዚብል እዩ ናብ ቤት ሬካብ ኪድ እሞ ተዛረቦም ናብ ሓንቲ ኸፍሊ ቤት ናይ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኣአትዎም ወይኒ ኺሰትዩውን ሀቦም። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኸ ሰራዊት ኣምላኸ እስራኤል እንሆ ተዛሪበዮም ኣይሰምዑን ጸዊዔዮም ከኣ ኣይመለሱን እሞ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝለዉ ኹላቶምን አቲ እተዛረብኩሎም ኩሉ መዓት ከውርደሎም እየ ይብል ኣሉ ኤርምያስ ከኣ ንቤት ሬካብ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ ንትእዛዝ ዮናዳብ ኣቦኹም ስለ እተኣዘዝኩም ንኹሉ ትእዛዙ ኸኣ ስለ ዘጽናዕኩም ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘኩም ኩሉ ሰለ ዝገበርኩም ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ሰብ ንሓዋሩ ኣይኪስእንን እዩ ይብል ኣሎ። ኣብ አዝኒ አቶም ካብ ከከተማኦም ዝመጹ ኹላቶም ይሁዳ ኣንብበሎም አቲ አግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ተዛሪብዎ ዘሎ ኹራን ቀጥዓን ዓብዬ እዩ እሞ ምናልባሽ ናብ እግዚኣብሄር ይምህለሉ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ አኩይ መገዱ ይምለስ ይኸውን ባሩኸ ወዲ ኔርያ ድማ ከምቲ ነብዩ ኤርምያስ ዝኣዘዞ ኹሉ ገበረ ኣብ ቤት አግዚኣብሄር ካብቲ መጽሓፍ ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ኣንበቦ። እንሆ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዚመጹ ከለዳውያን ከቐውምሲ ኣብ ሜጽጳ ከቕመጥ እየ ንስኻትኩም ግና ወይንን ፍረን ዘይትን ኣከቡ ኣብ ኣቓሑኹም ከኣ አንብሩ አሞ ኣብተን ዝሐዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ ኩሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ኣብ ማእከል ደቂ ዓሞንን ኣብ ኤዶምን ኣብ ኩሉ ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ አቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሐደገ ንገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን ድማ ከም ዝሸመሎም ምስ ሰምዑ ሽዑ ኹሎም ኣይሁድ ከካብቲ ተሰጐጎምዎ ዝነበሩ ኹሉ ቦታ ተመልሱ አሞ ናብ ሃገር ይሁዳ ናብ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ኣተዉ ኣዝዩ ብዙሕ ወይንን ፍረን ድማ ኣከቡ። ሽዑ ኣብ ታህጳኔስ ትንቢት ኤርምያስ ምዕራፍ ከምዚ ዚብል ቃል አግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸዓበይቲ ኣአማን ብኢድካ ውሰድ አሞ ኣብታ ኣብ ደገ ቤት ፈርኦን ኣብ ታህጳኔስ ዘላ ጭቃ ናይ አቶን ጡብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ አቶም ሰብኡት ይሁዳ ሕብኣየን አግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኸ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎውን በሎም እንሆ ኣነ ንጊልያይ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ ኸምጽኦ እየ ንዝፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ እዘን ዝሐባእከወን ኣአማን ከንብሮ እየ ንሱ ኸኣ ድንኳን መንግስቱ ኣብ ልዕሊኤን ኪዝርግሕ እይዩ። ብዛዕባ አቶም ኣብ ሃገር ግብጺ ዝነበሩ ኣብ ሚግዶል ኣብ ታህጳኔስ ኣብ ኖፍ ኣብ ሃገር ጳጥሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኹሎም ኣይሁድ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል አዚ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኸ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ ብሰሪ እቲ ንሳቶም ኩነ ንስኻትኩም ኩነ ኣቦታትኩም ኩነ ንዘይፈለጥዎም ካልኦት ኣማልኸቲ ኹገልግሉን ዕጣን ኪዐጥኑን እናኸዱ ኹቹጥዑኒ ኢሎም ዝገበርዎ ኹሉ ኸፍኣቶም ኩሉ እቲ ኣነ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኩለን ከተማታት ይሁዳን ዘውረድከዎ ኹሉ መዓት ርኢኹምዎ ኣሎኹም እንሆ ኸኣ ሎሚ ባዲመን ሓደ አኳ ዚነብረለን የልቦን። እቲ አግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ ይብል ኣሎ ኣነ ህያው እየ ከም ታቦር ኣብ ኣኸራን ከም ትንቢት ኤርምያስ ምዕራፍ ቀርሜሎስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኺመጽእ እዩ። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ኣፍራሳን ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን ኣብ ልዕሲ ኹሎም አቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ሕውስዋስ ህዝብን እዩ አሞ ከም ኣንስቲ ኪኹኑ እአዮም ሰይፊ ኣብ ልዕሊ መዛግቦም እዩ አሞ ኪብዝበዙ እዮም ሃረር ቅሩጽ ምስልታት እያ ብጣኦታት ከኣ ሃተምተም ይብሉ ኣለዉ እሞ ደርቂ ኣብ ልዕሊ ማያቶም እዩ ኪነጽፍ ድማ እዩ። ኩራ አግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ገጹ ኸሳዕ ዚድርብዮም ኣብ የሩሳሌም ኣብ ይሁዳን ከምዚ ኹነ ጹድቅያስ ከኣ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዐለወ ኣብታ ታስዐይቲ ዓመት መንግስቱ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንሱን ኩሉ ሰራዊቱን ኣብ የሩሳሌም መጹ ኣብ ዙርያኣ ሰፈሩ ዕርድታት ሰሪሖም ከኣ ከበብዋ። ኩነ ድማ ኣብ መወዳአታ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ ኣታ ወዲ ሰብ ኣብ ቤት አስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣሎኹ። ንጽብሒቱ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል አግዚኣብሄር መጸኒኣታ ወዲ ሰብ ቤት ኣስራኤል አዛ ዓላዊት ቤትሲ እንታይ ደኣ አዩ አትገብሮ ዘሎ ኢላዶ ኣይተዛረበትካን አግዚኣብሄር ኣምላኸሲ እዚ ጾር እዚ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ መስፍንን ነቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ኹሎም ቤት እስራኤልን እዩ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም በለውን ኣነ ምሳሌኹም እየ ከምቲ ኣነ ዝገበርከዎ ከምኡ ኺገብርዎም እዮም ንሳቶም ብስደት ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም። ምዕራፍ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ ኣታ ወዲ ሰብ ንመስፍን ጢሮስ እግዚኣብሄር ኣምላኸ ከምዚ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ ልብኻ ተዐብዩስ ኣነ ኣምላኽ እየ ኣብ ማእከል ባሕሪ ድማ ኣብ ዝፋን ኣምላኸ ተቐሚጠ ኣሎኹ ትብል ኣሎኻ እሞ ምንም እኳ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ ንስኻ ሰብ ኢኻ አምበር ኣምላኸ ኣይኩንካን። አግዚኣብሄር ኣምላኸ ድማ ኩላ ምድሪ ኸትሕጐስ ከላ ኣነ ኸባድመካ እየ ከምቲ ብምብዳም ርስቲ ቤት አስራኤል እተሐጐስካዮ ከምኡ ኸውርደልካ እየ ኣታ ኸረን ሳዒር ከትባድም ኢኻ ኩላ ኤዶም ብዘላውን ከምኡ ኣነ አግዚኣብሄር ምኺነይ ከ ኪፈልጡ እዮም ይብል ኣሉ ምዕራፍ አታ ወዲ ሰብ ነኸራን አስራኤል ተነበየሎም ኣቱም ኣኸራን ቃል አግዚኣብሄር ስምዑ ከኣ በሎም አግዚኣብሄር ኣምላኸ ከምዚ ይብል ኣሎ እቲ ጸላኢ ኣሰይ እቲ ናይ ጥንቲ በረኸቲ ርስትና ኹነ ኢሉ ብዛዕባኹም ተዛሪቡ እዩ እሞ። አቶም ደቂ ህዝብኻ ድማ በዝስ አንታይ ከም ዝኹነ ሓሳብካዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ ኢሎም ምስ ተዛረቡኻ ንስኻ ኸኣ አግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም እንሆ ኣነ ነቲ ኣብ ኢድ ኤፍሬምን ነገድ እስራኤል ብጾቱን ዘሎ ዕጨይቲ ዮሴፍ ከወስድ ኣብቲ ዕጨይቲ ይሁዳ ኸኣ ከድርቦም ኣብ ኢደይ ሓደ ኪኹኑስ ሓደ ዕጨይቲ ኸገብሮም እየ እቲ ዝጸሐፍካሉ ዕጨይቲ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ኪኸውን እዩ። አግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም እንሆ ኣነ ንደቂ እስራኤል ካብ ማአከል እቶም ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ከወስድ ካብ ኩሉ ወገን ከእከቦም ናብ ሃገሮምውን ከአትዎም እየ ኣብታ ሃገር ኣብ ኣኸራን አስራኤል ከኣ ሓደ ህዝቢ ኸገብሮም እየ ንኹላቶም ሓደ ንጉስ ኪነግሶም እዩ ድሕርዚ ድማ ከልተ ህዝቢ ኣይኪኹኑን ድሕርዚውን ኣብ ከልተ መንግስቲ ኣይኪምቀሉን አዮም። አቶም ህዝብታት ከኣ ኣነ አግዚኣብሄር እቲ ኣብ እስራኤል ቅዱስ ምኺነይ ኪፈልጡ እዮም። እቲ መሰውኢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ አታ ቤት እዩ ዘሉ። ሕጊ አታ ቤት ድማ እዚ እዩ እቲ ኣብ ዝባን እቲ ኸረን ኣብ ኩሱ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ ኣዝዩ ቅዱስ እዩ እንሆ ሕጊ እታ ቤት እዚ እዩ። እቲ ንጉስ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ዝረኣዮ ቅዱስ ሓላዊ እሞ ነታ ኦም ሞረጽዋን ኣብርስዋን ግናኸ ነቲ ጐንዲ ሱራታ ብሰንሰለት ሕጺንን ኣስራዝን ተኣሲሩ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግፆዖ ሾብዓተ ግዝያት ከሳዕ ዚሓልፋ ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ ግዲኡውን ምስ እንስሳ መሮር ይኹን ዝበለ ትርጓሜኡ እዚ እዩ ዎ ንጉስ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዚወርድ ትእዛዝ እቲ ልዑል እዩ ካብ ሰብ ክትስጐ ምስ እንስሳ መሮር ከትነብር ኢኻ ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኹብልዑኻ እዮም ብኣውሊ ሰማይ ድማ ከትጥልቂ ኢኻ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዘመልኸ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ ከሳዕ እትፈልጥሲ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋኻ እየን። ካብ ደቂ ሰብ ተሰጐ ልቡ ኸኣ ከም ናይ እንስሳ ኹነ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ ከም ነብዑርውን ሳዕሪ ኣብልዕዎ ስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ አዚ ኸኣ አቲ ልዑል ኣምላኸ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዝመልኽኸ ንዝደለዮ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዜኞመሉ ከሳዕ ዜስተውዕሎ እዩ ዝኹነ አታ ቤልሻጽር ወዱ ምንም እኳ እዚ ኹሉ ፈሊጥካ ኸነስካስ ልብኻ ኣየትሐትካን። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት ደምን ሓውን ኣፅኑድ ትከን ከርኢ እየ እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ አግዚኣብሄር ከይመጸት ጸሓይ ኣብ ጸልማት ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ ኪኸውን ከኣ እዩ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኣብቶም አግዚኣብሄር ዚጽውዖም ተረፍን ምድሓን ኪኸውን እዩ አሞ ስም አግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኹሉ ኺድሕን እዩ ምዕራፍ አንሆ ኸኣ በተን መዓልታት አእቲኤንን በቲ ጊዜ እትንን ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስኩዎም ብዛፅባ ህዝበይን ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን ነቶም ፋሕ ዘበልዎም ንምድረይ ከኣ አተማቐልዋ ኣህዛብ ኣብኡ ምሳታቶም ንፍርዲ ኺኣቱስ ንኹሎም ህዝብታት ከእከቦም ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከኣ ከውርዶም እየ ንህዝበይ ዕጭ አውድቐሉ ነመንዝራ ሰበይቲ ዋጋኣ ቹልዓ ሀቡ ጓል ድማ ንወይኒ ሸጥዋ ሰተዩ ኸኣ። ኣቱም ደቂ አስራኤል ንስኻትኩም ንኣይ ከም ደቂ ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኩንኩምን ይብል አግዚኣብሄር ንአስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ንፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ካፍቶር ንሶርያውያን ከኣ ካብ ደቂ ቂር ኣነዶ ኣይኩንከን ዘውጻአከዎም አንሆ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸ ኣብ ልዕሊ እታ ሓጥእ መንግስቲ እየን ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ከጥፍኣ እየ ግናኸ ንቤት ያእቆብ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ከረን ጽዮን ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ። ሃጌ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰ አዚ ዓሌት አዚ ኸምኡ እዩ አብ ቅድመይ እዚ ህዝቢ እዚ ኸምኡ እዩ ይብል እግዚኣብሄር ሉ ዕዮ አአዳዎም ከምኡ እዩ አቲ ኣብኡ ዜቕቐርቡለይ ድማ ርኹስ እዩ። እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኺመጹ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ከኣ ኪሰርሑ እዮም ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኸትፈልጡ ኢኹም ነቲ ደሃይ አግዚአብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም እንተ ሰማዕኩም እዚ ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ትንቢት ዘካርያስ ምዕራፍ ነቶም ሓላቹ ይሁዳ ኸም ርሱን ምድጃ ኣብ ማአከል ዕጨይትን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ማእከል እንዳእትን ከገብሮም እየ ነቶም ብየማነ ጸጋም ከቢቦምውም ዘለዉ ኹላቶም ህዝብታት ከኣ ኪውሕጥዎም እዮም የሩሳሌም ድማ ኣብ ቦታኣ ኣብ የሩሳሌም ከም ብሓድሽ ሰፈር ከትከውን እያ ከብረት ቤት ዳዊትን ከብረት እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸይዕበ እግዚኣብሄር ቅድም ንድንኳናት ይሁዳ ኬድሕን እዩ። እቲ ኻባታቶም ድኹም ዝኹነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ከኸውን እዩ ቤት ዳዊት ከኣ ከም አምላኸ ኣብ ቅድሚኦም ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ከትከውን እያ። አግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኩላ ምድሪ ኺነግስ እዩ በታ መዓልቲ እቲኣ አግዚኣብሄር ሓደ ስሙውን ሓደ ኪኸውን እዩ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ኹሉ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ከእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ድማ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ከክኸሕዶ እየ። እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም አቲ ኸርዳድ ግና ደቂ አቲ ኸፉእ እዮም አቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ አቲ ቐውዒ ድማ መወዳአታ ዓለም እዩ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኸቲ እዮም ከርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። የሱስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽምዊ ስፍራ ነበረ ካብ ኩሉ ወገን ድማ ናብኡ ይመጹ ነበሩ አምበር ብግልጺ ናብ ከተማ ኺኣቱ ኣይኩነሉን ምዕራፍ ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ድማ ኣብ ቅፍርናሆም ኣተወ አሞ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዔ። ኩሉ አቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ። በሎም ድማ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዬ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ አሞ ንስካትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቹ ኢኹም ንልብኹም ግና ኣምላኸ ይፈልጦ እዩ። ነቶም ዓሰርተው ከልተ ወሲዱ ድማ እንሆ ናብ የሩሳሌም ንድይብ አሎና እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት አተጻሕፈ ኹሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ። ኞ ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኸ ኪቕመጥ እዩ በሎም ኩሎም ከኣ አምብኣርከ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ በልዎ ንሱ ኸኣ ኣነ ኸምኡ እየ አሞ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ አሎኹም በሎም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ አዮም አነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ከገብር እየ። እተን ሾብዓተ መዓልቲ ኺውድኣ ምስ ቀረባ ኸኣ ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቐደስ ምስ ረኣይዖ ንኹሉ እቲ ህዝቢ ኣናዒቦም ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሐዝዎ እሞ ኣቱም ሰብ እስራኤል ንዑ ደግፉና እቲ ኣብ ፍቕዳ ሃገር ምስ እዚ ህዝቢ አዝን ምስ አዚ ሕጊ አዝን ምስ እዛ ስፍራ አዚኣን ዘይላገብ ንኹሉ ሰብ ዚምህር ሰብኣይ እዚ እዩ ኣብ ርእሲ አዚ ድማ ጽርኣውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ ኣርኪስዋ ኢሎም ጨደሩ። ኝአገልግሎት በበይኑ እዩ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ እቲ ኣብ ኩላቶም ኩሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ኹይኑ መሬታዊ እዩ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ኹሉ ኺገብሮ ዘይጸንዕ ርጉም ይኹን ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ እቶም ካብ ግብሪ ሕጊ ዘበሉ ኹሎም ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም ግናኸ አቲ ጻድቕ ብእምነት ህያው ኩይኑ ኺነብር እዩ አሞ ብሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ እኳ ኸም ዘይጸድቕ ግሁድ እዩ።