Detecting...

Please whitelist dirzon to continue.

or subscribe for ad-free contenct.

dirzon
  • Convert to Pdf
  • Reading List
  • Summary
  • Audiobook
  • Search
  • Upload
  • myzon
  • Log in
  • Register
English  አማርኛ  Français  العربية  Portuguese
Book of the day

ማሕፉዳ ተቓላሳይ.pdf


Advertisement
  • word cloud

ማሕፉዳ ተቓላሳይ.pdf
  • Extraction Summary

ከሳብ ንመሸጣን በደላን ዘይኩነ ዝኹነ ሰብ ከም ዘላታ ወይውን ብመኪናዊኣገባብ ብወረቐት ሃቲሙ ከባዝሓን ከዝርግሓን ፍቹድ እዩ። ልከዕዩ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ብውልቀሰብ ጥራይ ተዳልዩ ከቐርብ ፍጽምና ከህልዎ ዝኸእል መመኤ ዝያዳ ዝተሓላለኸን ሓያል ዋጋ ዕዳጋን ዝሓትት ምኺኑ ኣይዝንጋዕፅን በዚ ኩይኑ በቲ እቲዝትከል መሰጋገሪ መንግስቲ ከም አኒ ወተሃደራዊ ቀጠባዊ ወይ ስለያዊ ትካላት ዝኣመሰሉ መሓውራት ኣብ ትሕቲ ዝኹነ ግዜ ከኣ ብመሰረቱ ብዘይ ቅድመኩነት ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ዝኹነት ሃገር ተቓወምቲ ብረቶም ከውርዱን ንሓድነት ኤርትራን ልዑላውነትን ዝደናደኑ ተቓወምቲ ካልኦት ሃገራት ድማ ብቐጥታ ከለቁ ብዘይ ምሞራጽ ምጽዓትውን ካልእ ሓላፍነት ናይ ሓደ ተቓላሳይ እዩ። ከርሳዕ ዘይግብኦ ግን ህዝባዊ ተቓላሳይ ማለት ጸረ ኩሎም ንህዝቢ ዘየርብሑ ዘታርፉን ዝዕምጹን ኣካላትን ስነሓሳባትን ብዘይ ምብኺር ዝቃለስ እዩ። ኣብ መጻኢ ከግበሩ ዝኸአሉ ውዕላት ምውሓስን ህጹጽ ድሕነት ህዝብን ኣብ እዋን ኩናትን ሰላምን ከህልዎም ዝኸእል ኣወንታዊ እንሓንሳብውን ረብሓዊ ተራ ኣገዳሲ ምኺኑ ዝሰሓት ኣይኩነን። ቃልስና ጸረ ዓለም ዘይኩነስ ጸረ ዓመጽን ዘይፍትሓውነትን ኣበየ ኩርናዓት ዓለም እዩ ከኸውን ዘለዎ። አዚ ግን ንሓደ ንእሽቶ ዜጋናኳ ኣብ ዋጋዕዳጋ ብዘየእቱ ኣገባብ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። ዝኹነ ተቓላሳይ ቅንጣብ መሬት ወይ ሃገራዊ ትሕዝቶ ከመባጻዕ ኣይግብአኦን ምኸንያቱ ንሱ ናይ ህዝቢ ወይ ናይ ሃገር ስለ ዝኹነ። ነቲ ናትካ ውጥናት እቲ ከመጽእ እትደልዮ ዘለኻ ህዝባዊ መንግስቲ ኣርባሒ ኣይኩነን እንተ ኢሉ ብመስረት ድሌት ህዝቢ ከቕይሮ ይኸእል እዩ። ንስኻ ንህዝቢ ኢልካ ዝወጻእካ ሰብ ምኺንካ ከትርስዕ ይኹን ከትርሳዕ ኣይግባእን ወይ ኣየድልንዩ። መተ እዚ ጽሑፍዚ እናሓደረ ንኸምላእን ንኸምዕብልን ዝተገፍተነ አምበር ዝተዛዘመ ወይ ዝተኸትመ ኣይኩነን።

  • Cosine Similarity

ውሕስነት ምድላይ ከኣ ኣብ ቃልሲ ነውሪ ኣይኩነን ብፍላይ ኣብ ከምዚ ናትና ተመኩሮ ዘለዎ ህዝቢ። ኣብ ሓደ ቃልሲ ንሓደ ዓማጺ ሓይሊ ዓማጺ ምኺኑ ምልላይ አቲ ዝቐለለን ናይ መጀመርያምልከታት ባህሪ ቃልሲ ናይ ዝኹነ ተቓውሞን እዩ። ብመሰረቱ ሓደ ተቓላሳይ ፍትሓዊ ሕቶ ምስ ዘልዕል ኣብ ኩሉ መዳያቱ ፍትሓዊ ከኸውን ይግባእ። እዚ ዓቐብ እንተኹይኑካ ከኣ ልብኻ እንተ ወሓደት ፍትሓውት ዝመልአት ከትከውን ኣለዋ ኣብ ፍቕሪ ወይ ኣብ ፍትሓውነት ወይ ኣብ ከልቲኡ ዘይተሰረተት ሃገር ከም ኣብ ሑጻ ዝተሰረተት ቤት እያ ማሕፉዳ ሓደ ተቓላሳይ ካብ ፍቕሪ ህዝቢ ዝተሰርሐ ኩይኑ ኩለንትናዊ መሳርሒታት ፍትሒ ባህሪ መሪሕነት ትብዓት ብጻይነት ስነስርዓት ምስጢራውነትንፖለቲካዊንቕሓት ንጹር ፅላማንቅርጡውስነሓሳብን ከመልእ ይግብኦ። ቃልሲ ኩሉ ሟ ግዜ ምቹአ ኣይኩነን ተቓላሳይ ግን ነቲ ቃልሲ ዘምጽኦ ምችኡነት ናይ መወዳአታ ቀማሲ ከኸውንዩ ድሉው ከኸውን ዘለዎ ፅረፍቲ ተቓላሳይ ናይ ካልኦት ጾር ኣብ ምጻር አዩ። ስለዚ ሓደ ተቓላሳይ ሓርበኛ ንኸበሃል ሃገራዊ ሓሳብ ከህልዎ ኣለዎ ጥራይ ዘይኩነስ ንሃገራዊ ረብሓታት ንምሕላውን ንምርግጋጽን ከሳብ ናይ ህይወት ዋጋ ከኸፍል ድሉው ከኸውን ኣለዎ ፍቕሪ ህዝቢ ዘይብሉ ብድፉኑ ሃገራዊየ ወይ ሓርበኛየ ከብል ፍጹም ኣይክእልን እዩ። እዚ እናኹነ እንከሎ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓደ ተቓላሳይ ናይ ለውጢ ፖለቲከኛዩ ከበሃል ይከኣል። ኣብ ቫሉ መዳያት ህይወት ኣብ ማሕበራዊ ይኹን ኣብ ፖለቲካዊ ኣንጻር ምትላልን ሓሶትን ዘይፍትሓውነትን ብትብዓት ምቅላስ መለለዩ ሓደ ተቓላሳይ ከኸውን ይግብኦ። ፍትሒ ሓደ ውሱን መግለጺ ዘለዎኣይኩነን ካብ ሓደ ውልቀሰብ ናብቲ ሓደ ካብ ሓደ ሕብረተሰብ ናብ ሓደ ካልእ ከፈላለ ይኸእል። እቲ አትቃወሞ ሸነኸ መንግስቲ ወይ ተቓዋሚ ሓያል ወይ ድኹም ኣካል ከኸውን ይኽእልዩ ወይውን እቲ ንስኻ ዘለኻዮ ውድብ ባህርያት ዓማጺ ኣብ ሓደ መላእ ነብሱ ዓማጺ ዝኹነኣካል ጥራይ ኣይኩነን ዝርከብ አቶም ባህርያት ኣብ ግዜ ቃልሲውን አንተ ብፍላጥ ወይውን ብዘይፍላጥ ኣብ መንጎ ተቓለስቲውን ይረኣዩዮም እቶም ኣብ ስልጣን ዝመጽኡ ዓመጽቲ መብዛሕትኡ ግዜ ፍትሓዊቃና እናዘመሩ ጐድኒጐድኑ ነቲ ናይ ዓመጽ ባህሪ አናተለማመዱ ዝመጽኡ ተቓለስቲዮም ገለ መቓልስትኻ ሰኣን ምፍላጥን ወይ ነቲ ናይ ዓማጺ ባህሪ ስለ ዝተለማመዱ ንዝኹነ ዝግበር ዓመጽን ምጥሓስ ውሽጣዊ ሕጊን ተቓውሞኻ ምስ እተስምዕ ብዘይ ምሕላፍካ ከናሽዉኻን ከግልሉኻን ከፍትኑዮም በዚ ከትሕለል ኣይግበኣካን። ሓደ ሰብ ራኢእንተ ኣለዎ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን ጾር እንተ ኣለዎ ዝሓሸ መንገዲ ራህዋን ቅሳነትን ትልሚ እንተ ኣለዎ እንተ ነገረና ዶ ይሓይሽ ብሰንኪ ዘይምትብዑ ከይነገረና ሒዝዎ ከሓልፍ እንተ ወሓደ ናይ ሓሳብ ተባዕ ኩን ኣብ ኩናት ዘይኩነስ ኣብ ትኣምነሉ ዕላማ ከትመውት ድሉው ኩን ኣብ ፖለቲካዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ማሕበራዊ ይኹን ካልኦት ቀለልቲ ዛዕባታት ከይተረፈ ናይ ገዛእ ርአስኻ ብዘይ ግቡዝነትን ብቐንዕናን ብመጠን እቲ ኣብ ግዜኡ ዘለካ ርድኢትን ርእስኻ ንምግላጽ ድሕር ዘይትብል ሰብ ንምኺን ማንም ዘየሕድገካ መንነት እንተ ገይርካዮ ደስ ይበልካ። መሳንይቲ ኣብ ዕላማ ከኣ ኣብ ከንዳኻ ከብጆ ድሉው ዝኹነን ንተበጃውነትካ ዘኸብርን ከምኡውን ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዘለዎ ከኸውን ይምረጽ ብጻይካ ካብ ካልእ ኣደ ዝተወልደ ሓው እዩ እቲ ናይ ስጋ ሓውኻ ዘይብጻይካ ከኸውን ይኸአልዩ። ስለዚ ሓውኻ ይኹን ብስጋ ዘይብጽሓካ ዜጋ ኣብ ወሳኒ ግዜ ስለ ዕላማን ድሕነት ህዝቢን ኣንጻር ሓውኻ ይኹን ብስጋ ዘይብጽሓካ ዜጋ ንስኻ ኣብ ጐድኑ ንሱውን ኣብ ጐድንኻ ዝስለፍ እዩ ሓቀኛ ብጻይካ ብጻይነት ኣብ ከብሪ ሰብኣውነትን ኣብ ሓደ መስመር ተሃን ንቓልሲ ምህላዉን ዝተመርኩሰ ጥራይ ዘይኩነስ ናይ መጻኢ ምርግጋእን ጽፉፍ ሸቶንውን ዘተኣናግድ ከኸውን ይግብኦ። ናይ ሓደ ተቓላሳይ ናይ መጀመርያ መረጋገጺን ኪዳንን ብኻልእ ሸነኸ ድማ ናይ መጻኢ ንሕጊ ዘለዎ ተገዛእነትን ስርዓትን ንድሕሪ ምርግጋጽ ሽቶ ኣብ ሕጂ ኣብ ህዝብን ሃገርን ዘለዎ ስርዓትን ኣኸብሮትን ከምኡውን ስነስርዓት ዘለዎ ኣካይዳ ኣብ ከሊ ተቓለስቲን እዩ ዝርአ። ብተወሳኺ ሓደ ተቓላሳይ ኣካል ምስ ህዝቢ ዘለዎ ዝምድና መሰረታዊ ኣገዳስነት ኣለዎ ስለዚ ሓደ ብስነስርዓት ዝተሃንጸ ተቓላሳይ ሓደ ስርዓት ዘለዎ ህዝቢ ንምህናጽ ሓላፍነት ከወስድ ይግብኦ። ከሳዕ በቲ ናይ ቃልሲ እኩብካ እቲ ዘለካ ሓበሬታ ግዜኡ ምሕላፉ ዝውሰን ወይ ከኣ አቲ ናይ ቃልሲ መስርሕ ናብ ናይ ዓመጽ መንገዲ ከስጐም እንተ ርኢኻ ነቲ ሓበሬታ ከተውጽእ ትኸእአል። እዚ ከም ኣብ ውዱብ ኣብ ጃለ ተቓላሳይውን ከኸውን ዘለዎ እዩ። ናይ ርእሰምክልኻል መንፈስ ዘለዎ ቃልሲ እዩ ከኸውን ዘለዎ ካብ ርእሰምከልኻል ሓሊፉ ናይ ሕነን ጸቢብ ወገናዊ ዝኹነ ጐነጽ ከተኣናግድ ምስ ዝጅምር ግን ሽዑ ካልእ ሕቶ እዩ። ኣቐዲምና ብጐነጽ ስለ ዝተዓወትና ሕጂውን ብጐነጽ ጥራይ ኢና ክንዕወት ማለት ኣይኩነን ድሕሪ ከም ሃገር ምጃምናን ምቅይያር ጂኦፖለቲካዊ ኣቃውማ ከባቢናን ኩነታትናን ምኸንያታት ቃልስናን ማለት ቅድም ምስ ጓና ከኸውን እንከሎ ሕጂ ግን ፍጹም ውግእ ሓድሕድ ምኺኑን ብምግንዛብ ዋላ ብጐነጽ እንተ መረጽና ምስ ነፍሲወከፍ እንትኩሳ ጥይት ማለት ኣብ መንጎእንትኩሰን ከልተ ጠያይቲ ዘሎ ናይ ማይክሮ ካልኢታት ናይ ሰላም ኣማራጺ ከነሰላስል ይግብኣና ኣብ መጠረሽታ ኩሉ ምሱእ ዘለዎ ኩይኑ ኣይንረኸቦን ምኽንያቱ ባህሪ ሰብ ኣብ ስስዐን ሓይልን ስለ ዝምርኩስ። ትምህርቲ ንሓደ ተቓላሳይ ትምህርቲ መሰረትን ምንጭን ናይ ሓደ ካብ እምነ ኩርናዕ ፖለቲካዊ ስነሓሳቡ ናይ ዝኹነ ንቐሓትን መኣዝን ትልሙ ናይ ዝኹኑ ሰላምን ብልጽግናን ህዝቡንዩ ከኸውን ዘለዎ። ስለዚ ሓደ ተቓላሳይ ኣዝዩ ጥንቁቕ ከኸውን ይግባእ። አምነታዊ ግዴታና ከኣ ኣብ ከሊ ሃገርና ዝተሓጽረ ምስ ዝኸውን ውሑስ ይኸውን ኣብ ኤርትራ ከኣ ኣብ ትሕቲ ዝኹነ ይኹን ብሃይማኖት ዝቼመ ሰልፊ ወይ ምንቅስቓስ ንኸይህሉ ከንጥንቀቕ ይግብኣና እንተወሓደ ንገለ ወለዶታት አቲ ኣብ መጠረሽታ ወሳኒ ህዝቢኳ እንተኹነ ሓደገኝነቱ ብምርኣይ ሓሳብና ከነስምረሉ ይግባእ። እቲ ናይ ብሄራት መምዘኒ ዝልከዕን ፍቓድ ዝህብን መላእ ህዝብናኳ አንተኹነ ሓደ ተቓላሳይ ከም እምነት ብዙሕ ጸገም ከምጽእ ዝኸአል ኣርእስቲ ገይሩ ክርእዮ ኣይግባእን ልከዕዩ ሓደ ዜጋ እንተ ወሓደ ካልእ ብሄርየ ከብል እንተኹይኑ ካብቶም ካልኦት ብሄራት ዝፈልዮ ፍሉጣት መምዘኒታት ዘለዎ አኩብ ከኸውን ይግባእ። ካብኣቶም እቶም ናብ ደገ ከይዶም ዝጸንሑሞ ተመሊሶም ኣብ ኤርትራ ከቐመጡ ምስ ወሰኑ እቲ ዝግብኦም ናይ መጣየሲ ንብረትን ገንዘብን ናይ ስራሕ ዕድላትን ከወሃቦም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከኣ ሃገራዊ ሰራዊት ከቐውም ከም ዘለዎ ከግበርን እዚ ከኣ ብወለንታን ብብቕዓትን ከኸውን ኣብ መጻኢ ኩለን ደቀንስትዮ ካብ ወተሃደራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብፍቓድ ህዝቢ ንኸንሓፋ ምስባኸ። ቁይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንመወዳእታ ግዜ ብ ይግባይ ኣልቦ ቀያዲ ብይን ከም ዝተዋህበሉ አብ ኤርትራ ዘሎስርዓት ዓይነቱ ብዘየገድስ ወይ እቲ ስርዓት ኣብ ጐዳይ ዶብ ዘለዎ ርእይቶ ብዘየገድስ ኢትዮጵያ መሬት ኤርትራ ከትለቅቅ ግዴታኣ ምኺኑ ናይ ኣዝዩ ብዙሕ ኤርትራዊ ድሌት ምኺኑ ዘይምጐሳይ ማንም ኤርትራዊ ብውልቂ ይኹን ብውዱብ ብፖለቲካዊ ሃልኪ ከይዘበለ ንምውጻእ ኢትዮጵያ ካብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ምስ ዝጽውዕ ከኣ ሃገራዊ ግዴታኡ ምኺኑ ምአማን አብ መጻኢት ኤርትራ ከኣ ዶባዊ ውሳኔ ናይ ዝኹነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዘይኩነስ ናይ መላእ ህዝቢ ከኸውን ምእንቲ ብህዝባዊ ባይቶ ይኹን ብረፈረንዱም ከረጋገጽ እቲ ብህዝቢ ብርትዓዊ ኣገባብ ከምረጽ እንትስፈዎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ፈጻሚ ኣካል ከኣ ንምውጻእ ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ብዘይቅድመኩነት ወይ ብዘተ ንምፍትሑ ህዝቢ ብባይቶኡ ይኹን ብረፈረንዱም ዝወሰኖ ውሳነ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ከተግብር ጥራይ ከም ዝግብኦ ምእማን። ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ከም አኒ ወተሃደራዊ ቀጠባዊ ወይ ስለያዊ ትካላት ዝኣመሰሉ መሓውራት ኣብ ትሕቲ ዝኹነ ተቓዋሚ ይኹን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፖለቲካዊ ሓይሊ ከተሓዝ ኣስጋኢ እዩ። ናይ ሎሚ ህላወ እዞም ተቓወምቱ አካላት ኣብ ሃገርና ገና ድሐሩ ደም ዘንብዓና ታሪኻዊ ባህላዊን ማሕበራዊን ሻቕሎት ዝፈጥር ጐዳይ ብምኺኑ ኣብ ትሕቲ ዝኹነ ግዜ ከኣ ብመሰረቱ ብዘይ ቅድመኩነት ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ዝኹነት ሃገር ተቓወምቲ ብረቶም ከውርዱን ንሓድነት ኤርትራን ልዑላውነትን ዝደናደኑ ተቓወምቲ ካልኦት ሃገራት ድማ ብቐጥታ ከለቁ ብዘይ ምሞራጽ ምጽዓትውን ካልእ ሓላፍነት ናይ ሓደ ተቓላሳይ እዩ።

  • N.B. This Summary is Very Experimental!! based on the following scripts from:
    • https://github.com/millzon/textSummarizer-am
    • https://github.com/icoxfog417/awesome-text-summarization#motivation
Download Searchable PDF Download PDF

Advertisement
Bottom banner

Download options | Convert to Pdf | Reading List | Advertise on dirzon

© dirzon | Terms of Service | Privacy | About | Services | Contact