Detecting...

Please whitelist dirzon to continue.

or subscribe for ad-free contenct.

dirzon
  • Convert to Pdf
  • Reading List
  • Summary
  • Audiobook
  • Search
  • Upload
  • myzon
  • Log in
  • Register
English  አማርኛ  Français  العربية  Portuguese
Book of the day

ደረጃታት ጸሎት ምግዳድ.pdf


Advertisement
  • word cloud

ደረጃታት ጸሎት ምግዳድ.pdf
  • Extraction Summary

መሰረታዊ መምርሒ ኣብ ምጅማር ናይቲ መንገዲ ይኹን ኣብ ማአከል ወይ ድማ ኣብ መወዳእታ ዘይኮነስ ክርስቶስ ምሳኻ ምህላዉ እኹል እዩ። ኣነ ንጸሎት ዝምልከት ስብከታት ከሰምዕ ከለኹ ብዙሕ ግዜ ደረጃታት ጸሎት ከበሃል እሰምዕ ኔረ እየ እቲ ርድኢት ከምዚ ምኺኑ ምስ ፈለጥኩ ግን እዚ ተርእዮ እዚ ባህርያዊ መድረኸን ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ከም ዘለኻ ዝሕብር እዩ። እዚ ብዘይምፍላጥና ግን ስምዒት የብለይን ካብ ዝብል ምኸንያት ነብስና ወቂስና ጠቅላላ ነቲ መንገዲ ንሓድጎ ድሌት ሰይጣን ድማ እዚ እዩ። ደረጃታታ ጸሎት እንታይ እዩ ብኸመይ ከ ናብዚ ደረጃታት ዝበሃል ዘሎ ብዓወት ንበጽሖ ኣብቲ ነፍስ ወከፍ ንበጽሖ ደረጃ ኸ እግዚኣብሄር ብኸመይ እዩ ዝከታተለና መገዲ ምፍላጥ ፍርቂ ናይቲ ከትበጽሖ ደሊኻ ዘለኻ ዕላማ እዩ ዘብጽሓካ ነቲ ዝተረፈ ፍርቂ ድማ ንስኻ ጀሚርካ ብዘይምቁራጽ ምጉዓዝ እዩ።

  • Cosine Similarity

ኣብ ሓቂ እንተ መጺና ግን እዚ ተርእዮ እዚ ባህርያዊ መድረኸን ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ከም ዘለኻ ዝሕብር እዩ እዚ ብዘይምፍላጥና ግን ስምዒት የብለይን ካብ ዝብል ምኸንያት ነብስና ወቂስና ጠቅላላ ነቲ መንገዲ ንሓድጎ ድሌት ሰይጣን ድማ እዚ እዩ ደረጃታታ ጸሎት እንታይ እዩ ብኸመይ ከ ናብዚ ደረጃታት ዝበሃል ዘሎ ብዓወት ንበጽሖ ። ኣነ አንታይ ንሱ ኣቦና ኣቦና ናይ ጸሎት ጎቦ ማለት ደረጃታት ጸሎትን ኣብ ጸሎት ምዕባይ ማለትዩ ዝወደይ። ኣብ ሓንጎልና ቅዱሳን መነኩሳን ጥራይ ብጸሎት ዝሕጎሱ ተራ ሰብ ግን መዋእሉ ድኻም ሓዘን ጥራይ ዘምጽኣሉ ጌሩ ካብ ምውሳድ ሐሊፉ ወይ መነኩስ ምኺንዩ ወይ ድማ ጸሎት ዘይምጋብርዩ ዝብል ጌጋ ውሳኔ ይድምድምሉ ኣነ ብርግጽ ኣነን ብዙሓት ብጾተይ ውን ከምዚ ከትብልዎ ዝጸናሕኩምዩ ዘጋጥመና ኣቦና ኣብ ጸሎት ጥራይ ዲዩ ወይስ ብሓፈሻ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትውን የጋጥምዩ ። ኣነ ሕራይ ነዚ ፈተነ ብኸመይ ንቃለሶ አቦና አቦና ናይ ሰብነት ስጋና ትህኪት ሸለልትነት ብሓደ ኣገዳሲ መበገሲ ኢና ንቃለሶ ንሱ ድማ ደረጃ ብደረጃ ዝብል መበገሲፀ ከምቲ ቅዱስ ማር ኢስሓቅ ዝበሎ ከምቲ ነጠብጣብ ማይ ኣብ ልዕሊ ተሪር እምኒ ምስ ዝፈስስ ምስ ግዜ ፈርከሽከሽ ከም ዝብል ዝገብሮ ጸሎት ንምግባር ሰብነትካ ከምኡ ድማ ንእሽተይ ግን ከኣ ኣገዶዶ ወላ ብዘይስምዒት ይኹን እግዚኣብሄር ድማ ቀጻልነት ዘለዎ ጸሎት ካብ ድንዛዘን ከርሀርሃልካን ብመንፈስ ከም ትህኪትን ሓራ ይገብረና። አግዚኣብሄር ብዑምቀት ስምዒትን ንብዓትን ምስ ትጽሊ ጽቡቅ እንተ ዘይኮይኑ ብፍጹም ጸሎትካ ኣይቅበሰካን እዩ ኣነ እግዚኣብሄር ብዘይ ስምዒት ዝጽልዮ ጸሎት ይቅቦሎ ዶ ኣቦና እዚ ናይ ነፍሲ ፈተነ አዩ ዝወደይ። ኣነ ኣይፋሉን ከምኡ ማለተይ ዘይኮነስ እግዚኣብሄር ጸሎተይ ከም ዝሰምዓንን ዝተቀበለንን ዘረጋግጽ ስምዒት ከስምዓኒ ኢለ እየ ኣቦና ጸሎት ኣብ ንገብረሉ ኣብ ስምዒትና ኣይኮናን ንምርኮስ ምኸንያቱ ስምዒት ተቀያያራይ እዩ ብሰፊሑ ኣብቲ ኣብ ስምዒትና ዘይምውካል ዝብል ምስ በጻሕና ዝያዳ ከነብርሆ ኢና። ተቀባልነት ጸሎት ኣብ ስምዒት ዘይኮነ ኣብ ርድኢትዩ ዝሙርኮስ ኣነ ናይ ምንታይ ርድኢት ማለትዩ ኣቦና። ኣብ ቅድሚ አግዚኣብሄር ህጻን እየ እንተ ኢለ ሸለልትነት ከየርኢ እሞ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ዕብየት ዘይብለይ ኮይነ ከይተርፍ ኣቦና ህይወትካ ከም ህጻን ንከርስቶስ ከኣ ከም ኣቦ ቆጺርካ ነብስኻ እንተ ሂብካዮ ወይ እንተ ቐሪብካዮ ባዕሉ ከመርሓካን ከትገብሮ ዘለካ ከምህረካን እዩ። ደሓር ከኣ ንምትግባሩ ቀሊል እዩ ዝመስል ካብ ቅድም ነዚ ቃል እዚ ሰሚዐዮ ኔረ እንተ ዝኸውን ህይወተይ ካልእ ምኾነ ኔሩ ግዜና ኣብ ድኻምን ካብ ፍቅርን ለውሃትን ሰምያዊ ኣቦና ተሓሪምና ንኾንቱ ጠፊኡ ኣቦና ድሓን ዝወደይ ሕጂ ጀምር እግዚኣብሄር ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ዘጥፋእካዮ ግዜ ከኸሕሰካ እዩ። ቅዱስ ዮውሃንስ ኣፈወርቅ ከምዚ ይብል ኣብ ከንዲ ናብ ዝሕከመካ ሓኪም ናብ ዝጎድኣካ ከይትኸይድ ተጠንቀቅ ኣነ አዚ ናይ ምግዳድ ደረጃ ግን ነዊሕ ዲዩ ኣቦና ናይ ግዜ ከሕስበካ የብሉን ዝወደይ ኣብቲ መንገዲ ጥራይ ምህላውካ ኣኻሊ እዩ። ኣቦና ቀዳማይ ልምምድና ኣብ ሰሙን ቅዱስ ቁርባን ከንወስድ ከም ዘለና እዩ። ብጹአ ወቅዱስ ኣቡነ ቄረሎስ ይ መበል ዝ ፓትርያርከ ዘእስከንድርያ ዝነበሩ ኩሉ መዓልቲ ቅዱስ ቁርባን ውሰድ ኢዮም ዝብሉ ኔሮም ኣቦና ቢሾይ ካምል ካህን ቤተከርስትያን ግብጺ ውን ሓደ ሰብ እንታይነት ሓጢኣቱ ብዘየገድስ ኣነ ጠፊአየ ዘለኹ ኢሉ እንተ መጺእኒ ኣብ ጽኑዕ ምከትታል ኣቲዩ ብቀዳምነት ቅዱስ ቁርባን ዝቅበል ንሱዩ ይብሉ ኔሮም ስለዚ ሓጢእካ ኣብ ዝረሳሕካሉ እዋን ከንከን ጥራይ ዘይኮነ ዘድሊየካ ፈውሲውን ይግበኣካ እዩ ነዚ ድማ እዩ ነብስኻ ናብ ቤተከርስትያን ከትከይድ ተገድዳ ወረ ከርስቶስ ምስ ሓጢኣትካን ረሰሓትካን ከለኻ ከም ዝቅበለካ እንተ ኣሚንካ ቤተከርስትያን ከትከይድ ዘይትግደደሉ ምኽንያት የብልካን ንምንታይ ፍሑግ ፍሐሑግ እንዳ በልካ ዘይትመጽ ሓደ ሰብ እግዚኣብሄር ኣይቅበለንን እዩ ዝብል ስምዒት እንተ ሒዝዎ ግን ከሰላቸውን ንነብሱ ዘይረብሕ ሰብ ጌሩ ከቆጽራን ነብሰ ምትሓትን ከስምዖን እዩ። ኣነ ኣይትሓዙለይ ኣቦና አዛ ሕቶ ኩሉ ግዜ እየ ዝሓታ ግን እሞ ሸለል እንተ በልኩ ኸ ኣቦና ዝወደይ ኣነዶ ሸለል በል ወይ ኣብ ክርስቶስ ቅዱስ ኮይንካ ኢኻ ኣብ ሰማያት ተቀሚጥካ ኢኻሞ እልል በል ናብ ቤተከርስትያን ዝመጽእ ሰብ ኣመስግን ዘድልየካ የለን ከም እንስሳ ብዘይርድኢት ዝጎዓዞ ኢለካ እየ ኣነ ዝብለካ ዘይኮነስ ምኸንያት ሃሊዎ እዩ ዘለኹ ንነብስካ ከምዚ ዝመጽእ ናብ ሓኪም ዝኸይድ በላ ኣነ ሓጥእ አኩይ ሕሙም ክፍወስ እምበር ናይ ዙረት ሰብየ ሓሚመ እየ ኣመል ሃሊዎ ኣይኮነን መጺአ ዘለኹ እሞ ቅዱስ ያእቆብ ዘስሩግ ፈውስኻ አደሊ ኣለኹ ጐይታይ ። ኣነ እንታይ እዩ እቲ ፍልልይ ኣቦና እቲ ፍልልይ እቲ ምስ አግዚኣብሄር ርከብ ዘለዎን ኣብ መብጽዓ ቃል ኣምላኽ ዝኣምን ሰብ አግዚኣብሄር ከሕብሕቦን ሓይሊ ከህቦን ልከዕ ከም ኣቦ ንውላዱ ኣብ እዋን ሽግሩ ሓጐስ ከፈጥረሉ ድኻማቱ ናብ ሓይሊ ከልውጦ ጸላም ናብ ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ጸላእቱ ስልጣን ከህቦን ኣብ ትሕቲ ኣአጋሩ ከግዝኣሉን ኣእምሮ ከበጽሖ ዘይከእል ሰላም ድማ ከዓስሎ እዩ። ኣነ ብኸመይ ኣቦና። ከምዚ ከትብልዎ ዝጸናሕኩም እንተ ኾይኑ ሓደ ሰብ ነብሱ ከገድዳ ጥራይ ዘይኮነ ከየቋረጸ ኣብቲ ጉዕዞ ከስጉም ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ከሳብ ህይወት ምኸፋል ዋጋ እንተ ሓተቶ እንዳ ተሓጐሰ እዩ ከወጾ ምኸንያቱ ዘተባብዕ ኣቦ እዩ ዘለና ልከዕ ከምቲ ሓደ ቆልዓ ኣቦይ ይርእየኒ ኣሎ ኢሉ ነኺሱ ኩዕሶ ዝጻወት እንተ ተዓዊቱ ውን ብሸም ኣቦይ ኢሉ ከሳብ መወዳአታ ደኺመ ከይበለ ከቅጽል እዩ ዝደሊ። ኣነ ንጸሎት ዝምልከት ስብከታት ከሰምዕ ከለኹ ብዙሕ ግዜ ደረጃታት ጸሎት ከበሃል እሰምዕ ኔረ እየ እቲ ርድኢት ከምዚ ምኺኑ ምስ ፈለጥኩ ግን እዚ ጉዳይ ብዙሕ ለውጢ ከም ዘለዎ ኣስተውዒለ ምኸንያቱ ሓደ ሰብ ንምንታይ ነብሱ የገድዳ ከም ዘሎ እንተ ተረዲኡ ምቅጻል ደኣምበር ምግዳድ ኮይኑ ኣይከስምዖን እዩ አቲ ዘረባ ብዘይ ጸጋ ብዘይ ርድኢት እንተ ኾይኑ ግን ከም ትእአዛዝ መንፈሳዊ ህይወትውን ኣሰልቻዊ ኣድካሚ ከቢድ ኮይኑ ጥራይ እዩ ከተርፍ። ብርግጽ ንዓመታት ተጸቢዩ እዩ ኣብ መወዳእታ ግን ህይወቱ ምስ ሰባት ዘይኮነ ምስ መላእኽቲ ይነብር ከም ዘሎ እዩ ዝቁጸረሉ ልከዕ ከም ኣብ ሰማይ እምበር ኣብ መሬት ይነብር ከም ዘየለ ወትሩ ከንገር ኣብ ዘይከአል ሓጎስን ከብርን ዝነብር ኣብ ጸበባ ከይተረፈ ሕጉስ ኣብ ቓንዛ ሓጐስ።

  • N.B. This Summary is Very Experimental!! based on the following scripts from:
    • https://github.com/millzon/textSummarizer-am
    • https://github.com/icoxfog417/awesome-text-summarization#motivation
Download Searchable PDF Download PDF

Advertisement
Bottom banner

Download options | Convert to Pdf | Reading List | Advertise on dirzon

© dirzon | Terms of Service | Privacy | About | Services | Contact