Detecting...
Please whitelist dirzon to continue.
ሰረቕቲ ድማ ነቲ ኣይሁዳውያን ዝወሰንዎ ምቐባል መጽሓፍ ጥራይ ትብል እንተ ኮይንካ ኣይ ናይ ኣይሁዳውያን መንጎ መንጎ ትጓዓዝ ኣሎኻ ማለት እዩ። ፅብ ክ ነዚ ገድሊ ዝበልናዮ መሠረቱ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እዞም ከምዚኦም ዓይነት መጻሓፍቲ ድማ ድቓላታትእምበር ኣዋልድ ኣይበሃሉን። ከኾኑ ኣለዎም ክትቅበሎም እንተ ኮይና ቅድስት ቤተ ክርስትያና።
ሓ ቤትሰደመዊዕ አቡነ አረጋዊ ማይተመናይ አስራው መጽሓፍትን መጽሓፈ ኣዋልድን ትሕዝቶ ምዕራፍ ሓደ ኣስራው መጻሓፍቲ ከፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ካልኣይ ቆኖናን ስለምንታይ ከምዝተፈልዩን መን ከምዝፈለዮም መዓስ ከምዝተፈልዩ መጽሓፍቲ ንካልኣይ ቆኖና ከምዝጠቕስዎም ዝበሃሉ መጽሓፍቲ ብሰንጠረጅ መስሊ መደምደምታ ምዕራፍ ከልተ መጽሓፈ ኣዋልድ ነብያትን ሓዋርያትን ካልኦት ቅዱሳን ይጥቐሙሎም ከም ዝነበሩ ኣገዳስነት ናይ መጽሓፈ ኣዋልድ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ተዛማድነት ቅድስቲ ቤተ ከርስቲያን ብኸመይ ከም ትቐበሎም መደምደምታ ቤትሰደመዊፅ አቡነ አረጋዊ ማይተመናይ ኣስራው መጽሓፍትን መጽሓፈ ኣዋልድን ቤተ ከርስትያን ንደቃ እትምህሮ ትምህርቲ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዓለም ይረሓሓቹ ብዘየገድስ ሓንትን ኣጽናፋዊትን ሓዋርያዊትን ከም ምኺና ሓደ ወንጌል ሓደ ትርጉም ሓደ ሥርዓት ሒዛ ትምህር እዚ ቀደም ብነቢያት ኣቢሉ ድሕሪኡ ድማ ንኹሉ ዓለም ወንጌል ዘስፋሕፍሑ ሓዋርያት ቀጺሉ ናብ ኣቦታትና ሊቃውንቲ ብምስግጋር ከሳብ ሕጂ ጸኒዑ ይነብር ኣሎ። ኣብዚ መጻሕፍቲዝሓዘ መጽሓፍ ኣብ ብሉይ ኪዳን ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ከሳብ ትንቢት ሚልከያስ ምስ እንቐጽሮም ብዝሖም ይኾኑ ካብዚኣቶም ድማ ይን ይን መጽሓፍ ሳሙኤል ከም ሓደ መጽሓፍ ገይን ይን መጽሓፈ ነገሥት ከም ሓደ መጽሓፍ መጽሓፈ እዝራን መጽሓፈ ነህምያን ድማ ከም ሓደ መጽሓፍ ምስ እንቅጽሮም ብዝሖም ናብ ይወርድ። ምስቶም ካልኣይ ቆኖና እንብሎም መጽሓፈ ኩፋሌ መጽሓፈ ሔኖ መጽሓፈ ዕዝራ ሱትኤል መጽሓፈ ጦቢት መጽሓፈ ዮዲት መጽሓፈ መቃብያን ቀዳማይ መጽሓፍ መቃብያን ካልኣይን ሳልሳይን መጽሓፈ ሲራክ መጽሓፈ ጥበብ መጽሓፈ ዮሴፍ ወልደ ኮርዮን መጽሓፍቲ ምስ እንድምሮም ድማ ይኾኑ ስለምታይ ከም ዝተፈልዩ ብፐሮቴስታንት ይኹኑ ብዝተፈላለዩ መናፍቓን እዞም መጽሓፍቲ ቅቡላት ዘይምኺኖም ድማ ነቲ ንሶም ዝቃወምዎ ኩሉ ሓኞፎም ስለ ዝርከቡ ከቕበልዎ ኣይመርጹን ኣይሁዳውያን ነዞም መጽሓፍቲ እዚኣቶም ኣይቅበልዎምን እዮም ኣብቲ ብ ዓመ ድልከ ብዛዕባ እዞም መጽሓፍቲ እዚኦም ኣኬባ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን ጀሚሮም ከሳዕ እዚ ሰዓት እዚ ከምዘይቅበልዎ ይፍለጥ። ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ከሳብ ትንቢት ሚልከያስ ዘለዉ መጽሓፍቲ ገይን ይን መጽሓፍ ሳሙኤል ከም ሓደ መጽሓፍ ገይን ይን መጽሓፈ ነገሥት ከም ሓደ መጽሓፍ መጽሓፈ እዝራን መጽሓፈ ነህምያን ድማ ከም ሓደ መጽሓፍ እንተ ተቐጺሩ ካልአይ ቆኖና ድማ ጠቅላላ ናይ ብሉይ ኪዳን መጽሓፈ ኩፋሌ መጽሓፈ መቃብያን ቀዳማይ መጽሓፍቲ መጽሓፈ ሄኖክ መጽሓፈ መቃብያን ካልኣይን ሳልሳይን መጽሓፈ ዕዝራ ስቱኤል መጽሓፈ ሲራክ መጽሓፈ ጦቢት መጽሓፈ ጥበብ ዕ መጽሓፈ ዮዲት መጽሓፈ ዮሴፍ ወልደ ኮርዮን ናይ ሓደሽ ኪዳን መጽሓፍቲ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ከሳብ ራእይ ዮሓንስ ጠቅላላ ናይ ሓዲስ ኪዳን መጽሓፍቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ተወሰኸቲ መጽሓፍት ሥርዓተ ጽዮን ሲኖዶስ ትእዛዘ ሲኖዶስ ግጽው ሲኖዶስ ኣብጥሊስ ገይ መጽሓፈ ኪዳን ይ መጽሓፈ ኪዳን ቀሌሚንጦስ ዲድስቅልያ ጀር ደር እዞም ናይ ሓዲስ ኪዳን ተወሰኸቲ መጻሓፍቲ ድማ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ እዮም ብዛዕብኦም ብስፍሕ ዝብለ እኮ ኣብቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ መጸሓፍ ቅዱስ ዝብል ከነቅርቦ እንተኾና ንመርድኢ ዝኸውን ግን ከንምልከቶም ኢና። ምኽንያቱ ሓዋርያት ኣብ ስብከቶምን ኣብ መልአኸቶምን ተጠቺሞምሎም ስለዝኾኑ ስለዚ ኣብ ሓደ ኣካል ከልተ ርእሲ የለን እሞ ከርስትና እየ ዝቕበል እናበልካ ነዞም መጽሓፍቲ ድማ ትነጽጎም እንተ ኮይንካ ኣይ ናይ ሓዋርያት ኣይ ናይ ኣይሁዳውያን መንጎ መንጎ ትጓዓዝ ኣሎኻ ማለት እዩ እዚ ድማ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ልብጥ ዝበለ ስለ ዝኾንካ ካብ ኣፋይ ጡፍ ክብለካ እየ ራእ እግዚኣብሔር ካብ ከምዚ ዝበለ ጥፍኣት ይሰውረና ቤትሰደመዊዕ አቡነ አረጋዊ ማይተመናይ አስራው መጽሓፍትን መጽሓፈ ኣዋልድን መጽሓፈ ኣዋልድ ቤትሰደመዊዕ አቡነ አረጋዊ ማይተመናይ አስራው መጽሓፍትን መጽሓፈ ኣዋልድን ብመንፈስ ኣምላኸ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ ንተግሣጽ ንምእራም ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም እዩ። ኣዋልድ መጽሓፍቲ ናይ ከልተ ቃላት ጥምረት ኮይኑ ትርጉሙ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ውሉዳት ማለት እዩ። ናይ ኣብ ከም እንብል ኣዋልድ ማለት ድማ ውሉዳት ናይ መን ውሉዳት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማለት እዩ። ንርእሱ ርኅሩኅሣምራዊ ዝመሰለ ኢየሱስ ክርስቶስ ንናይ ቤተ ከርስትያን መምህራን ዝሃቦም ከልተ ዲናር ዝተባህለ ድማ መጻሕፍት ብሉይን መጻሕፍት ሓዲስን እዮም ከልተ ዲናር ሂቡ በዚ ሱቅ ኣይበለን ዘጥፋእአካዮ ዘበለ ከኣ ምስ ተመለስኩ ኸፈድየካ እየ በሉ ተኸናኸኖ ንእኡ ኢልኳ ዝበሎ ድማ ስለ ሃይማኖት ስለ ጐይታ ኢሎምብዙኅ ዋጋ ንዝኸፈሉ ንዝደኸሙ ሓለውቲ መምሃራን ምስ ተመልሰ ከም ዝኸፍሎም ቃል ኣተወ ምምላሱ ድማ ብዳግማይ ምጽኣቱ ማለት እዩ ዝጥፋእካዮ ዘበለ ከኣ ምስ ተመለስኩ ኸፈድየካ እየ እዚ ቃል ዘረድኣና እምበኣር ብኸልተ ዲናር ብብሉይን ብሓዲስን ተመስሪቶም ንዝተራቐቐኣጐሊሖም ንዝተሠወረ ምሥጢር ድማ ብግልጺ ንምእመናን ዘረድኡ ፍሉያት ናይ ትርጓሜ ናይ ምኸሪ ናይ ተግሣጽ ናይ ታሪኸን ካልኦት ዝመሳሰልዎም መጽሓፍቲ ጽሒፎም ንዝመሃሩና ተወሰኸቲ መጽሓፍቲ ብምጽሓፎም ናይ ዘበርከትዎ ዋጋ ከምዘይጠፍእ ይገልጽ ኣገዳስነት ናይ መጽሓፍቲ ኣዋልድ ፍቁረ እግዚእ ዝተባህለ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ ኢየሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ ኣዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙኅ ተኣምራት አብ ቅድሚ ደቂ መዛሙርቱ ገበረ። መጻሕፍቲ ኣዋልድ ኪኖ ትምህርቲ ምሃብ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናን ንጸሎትን እንጥቀመሎም መጻሕፍቲ እዮም አብ ገመድ ኤለክትሪክ ዘሎ ኃይሊ ኣብ መብራህቲ ኣምኾል ክርአ ከሎ ከም ዝግለጽ ኣብ ኣሥራው መጻሕፍቲ ዝርከብ ጥበብ ትምህርትን ምሥጢርን ዝግለጸሉን እንርደኣሉን መንገዲ ድማ ብመጻሕፍቲ ኣዋልድ በሪሁ ከርአ ከሎ እዩ መጽሓፍቲ ኣዋልድ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ተዛማድነት ኣቐዲምና ከምዝገለጽናዮመጽሓፍቲ ኣዋልድውሉዳት ናይመጽሓፍ ቅዱስ ኣሥራው መጽሓፍት እዮም ውሉድ ካብ ኣብራኸ ኣቡኡ ካብ ናይ ኣዲኡ ማሕፀን ንወለዱ መሲሉ ከምዝውለድ እዞም መጽሓፈ ኣዋልድ ድማ ብምሥጢር ብአምነት ብሥርዓትን ኣሥራው መጽሓፍት ይመስሉ ምስ ኣስራው መጻሕፍት ዝቃረኑ መጻሕፍቲ ግን ኩሎም ምስ ኣዋልድ መጻሕፍቲ ኣይቀጸሩን እዮም ምኽንያቱ መጽሓፈ ኣዋልድ ምስ አሥራው መጻሕፍቲ ይሳነዩ ደኣ እምበር ዝቃረን ዋላ ሓንቲ ቃልውን የብሎምን። ንምሳሌ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሰንጠረጅ ተመልከ ናይ ሕጊ ናይ ታሪኸ ናይ ጥበብ ናይ ትንቢት ብሔረ አሪት መጽሓፈ ሳሙኤል መዝሙር ዳዊት ትንቢት ኢሳይያስ ናይ ሕጊ መጽሓፍ መጽሓፈ ነገሥት ጥበበ ሲራከ ፍትሐነገሥት ተኣምረ ማርያም መልከዐ መልከዕ ፍካሬ ኢየሱስ ተኣምር ኣቡነ አረጋዊ ቤትሰደመዊፅ አቡነ እረጋዊ ማይተመናይ ሊ ዋንነቶም ቅዱሳት መጽሓፍቲ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዋንነት እዮም ምኸንያቱቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ እግዚኣብሔር ንብረት ብናቱ ፍቓድ መሪሕነትን ዝተጻሕፉ ስለዝኾኑ ናይ ቅድስቲ ቤተ ከርስትያንውን እዮም ምኽንያቱቤተ ከርስትያን ብደም ጐይታ ዝጠረየት ዝተዓደገት ስለ ዝኾነት ናይ ጐይታ ማለት ናይ ቤተ ከርስትያን ማለት እዩ። ስለዚ ኣብ ዝበዝሐ ቦታን ምኺኖምን ብልከዕ ኣይገልጾምን እዩ ጥራይ እቲ ዝተገብረ ተኣምር ይገልጽ አዚ ብኣሥራው መጻሓፍቲ ጥራይ ዝንጸባረቕ ዘይኮነ ኣዋልድ መጻሓፍቲውን እንተ ኾነ እዚ እዩ ዕላምኦም ኣብ ገድሊ ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ገድሊ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ተኣምረ ማርያም ብኣማላድነት ቅዱሳንንዝተገብረ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ተኣምራት ዝተፈጸመሎምን ዝፈጸሙን ሰባት ቦታውን ከይተረፈ ብእገሴሌ እገሊት ወይ ድማ ሓደ ሰብ አናበለ ይገልጽ ምኸንያቱ ፅላምኦም ብዛዕባ እቶም ሰባት ወይ ድማ ቦታ ምውራይ ዘይኮነ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ኣብኣታቶም ሓዲሩ ንዝፈጸሞ ድንቂ ተኣምራትን ምግላጽ ስለዝኾነ ሲ ዕቤት ሃይማኖት ንምግላጽቅዱሳት መጽሓፍቲ ብሃይማኖትንሃይማኖት ስለ ሃይማኖት ዝተጻሕፉ እዮም ካብ ጥርጥርካብ ኣጉል ኣተሓሳስባ ተሓልዩ ኣብ መጻሕፍቲ ንዝተጻሕፉን ዝተኣዘዘን ንዝሓለወን ኩሉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝህብዎ ተስፋ ይፍጸመሉ እዩሠለስቱ ደቂቅ ከም መሪሕ ናይ ሂወቶም ጌሮምብሕጊ ሃይማኖት ተኣዚዞም ንጣኦት ምስጋድ እምቢ በሉ። ኣብ መጻሓፍቲ ኣዋልድ ድማ መጽሓፈ ገድሊ ዝብል ኣሎ እዚ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ብምግባር እዩ። አዚ ማለት ናይ ኣዋልድ መጻሓፍቲ ብዘለዎምመንፈስብምሥጢርብመሠረታውያን ዝኾኑ ሓሳባት መሠረቶም ወይ ድማ ሱሮም መበቆሎም መጽሓፍ ቅዱስ ኮይኑ በዚ ሥርዓት እዚ ድማ ቅድስቲ ቤተ ከርስትያን ትቐበሎምን ትግልገለሎምን እዚ ስለዝኾነ እምበኣር ሓደ ሓደ ብትሕዝቶኦም መጽሓፍ ቅዱስ ንዝመስሉ ከምኣመሃህራ መጽሓፍ ቅዱስብጐይታ ኢየሱስ ከርስቶስ ዝተገልጹ ካብ ሓዋርያት ጀሚሩ እናተታሓሓዙ ንዝመጸ ንቤተ ከርስትያናን እምነትናን ዝቃወም ትምህርቲ ዝሓዙ መጽሓፍቲ ቤተ ከርስትያን ትውግዞምን ትፈልዮምን እምበር ኣይትቕበሎምን።